ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንሓዱሽ ዓምት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንሓዱሽ ዓምት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፤መስከረም 1/2019 (ኢዜኣ) ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንሓዱሽ ዓምት 2019 ዓ/ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መልእኽቶም፤ ንመላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮዕያ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም ክብሉ ልባዊ ትምኒቶም ገሊፆም።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ጠጠው ምባሉ ከም ዝቕፅለሉ ብምግላፅ፤ እታ ሃገር ንሓድነት፣ ነፃነትን ዕዉትነት ሓባራዊ ጅማሮታትን ኣፍሪካ ዘለኣኣ ታሪኻዊ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።
እቲ ሓዱሽ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘበነ ሰላም፣ ፍቕርን ብልፅግናን ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓድነታ ዝተሓለወ፣ ሰላማዊትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምህናፅ ብቆራፅነት ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።