ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 1/ 2019 (ኢዜኣ) ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብደላ ኣል ሸምሲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ኢትዮጵያን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኣብ ሓባራዊ ድሌትን ምክብባርን ዝተመስረተ እዩ ኢሎም።
ፈፃሚ ጉዳይ ኤምባሲ ማሌዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ሞህድ ኣፈንዲ ኣቡበከር ብግደኦም፤ ንኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብፀሐኩም ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ዓመት ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ናይ ብልፅግና፣ ጥዕናን ሓጎስን ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገዛ።
ኣምባሳደር ሲሪላንካ ኣብ ኢትዮጵያ ኒርማላ ኢንዱማቲ ዲያስ ፓራናቪታና፤ ሓዱሽ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነትን ብልፅግናን ከምኡ እውን ንትካላታ ጥንካረ ሒዙ ንክመፅእ ተመንየን።
ኣብ መንጎ ሲሪላንካን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነትን ምትእስሳር ባህልን ብዝበለፀ እናዓበየ ከም ዝኸይድ እውን ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ገሊፀን።
ተጠባባቒ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ቮን ዌይሄ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ንኢትዮጵያ ዓመተ ሰላም፣ ሓድነትን ብልፅግናን ንክኸውን ተመንዮም።
ኣብ ኤምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ሚሲዮን መሪ ፒርጆ-ሊሳ ሄይኪላ፤ እቲ ሓዱሽ ዓመት ዲሱ ዓመት ንኢትዮጵያውያን ናይ ደስታን ብልፅግናን ዓመር ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነት ከም ዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።
ኣብ ኤምባሲ ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ሚሲዮን መሪ ሚርጃ ክሮኔ፤ ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፅኑዕ ምሕዝነት ዝጠናኸረሉ ንክኸውን ተመንዮም።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር) ብግደኦም ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን እስራኤልን ናይ ነዊሕ ዓመት ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን።
እዚ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ኣጠናኺርና ብምቕፃል ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
መላእ ኢትዮጵያዊያንን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብፀሐኩም፤ እቲ ሓዱሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ዕቤትን ፍቕርን ንክኾነሎም እውን ልባዊ ትምኒቶም ገሊፆም።
ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዝገለፁ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኤምስበርገር፤ ንሓዱሽ ዓመት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።
ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ሩሲያ፣ ቻይና፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ኢራን፣ ፓኪስታን፣ሜክሲኮ፣ኣውስትራሊያን ካናዳን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።