ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ተኸላ ፈልሲ ብምክያድ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ብምዃን ብሓባር ተኸላ ፈልሲ ብምክያድን መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከም ዘሳለጡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ምዝዛም ተኸላ ፈልሲ 2018 ዓ/ም እንትነብስር ዝተተኸለ ሕድ ሕድ ፈልሲ ህያው ምልክት ሕብረትና፣ሕዳሰናን ዘላቒ ዕቤትናን ከም ዝኾነ ብምዝካር እዩ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።
ብፅኑዕ ሓድነትናን ሓባራዊ ፃዕርናን ዝተሃነፀት፣ዝማዕበለትን ብሩህትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሙሉእ ተስፋ ሰኒቕና ንቕድሚት ክንግስግስ ኢና ክብል እውን ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም