ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስፍሕፋሕ ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)) ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ዝተመዝገቡ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብሩ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ድምፂ ብምሃብ ንቀፃሊ 5 ዓመታት ዝመርሖም መንግሥቲ ዝመረፅሉ፣ ካብ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ 4 ሽሕ ዜጋታት መፃኢ እዋን ኢትዮጵያ ዝወሰንሉ፣ 8 ነጥቢ 2 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ብሓፈሻ 56 ቢልዮን ምብፃሕ ዝተኽኣለሉ ዓመት ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እዞም ዓወታት ተዋዲዲም ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ንክተመዝግብ ኣኽኢሎማ እዮም ኢሎም።
ከም ኢትዮጵያ ሰፊሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንምዕባይ ሎጂስቲክስ ልዑል ጉልበት ከም ዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ሎጂስቲክስ ካብ ትራንስፖርት፣ ወደብ፣መሰረተ ልምዓት ባቡር መሰረተ ልማት ናብ ሓረስታይ ክሳብ ምብፃሕ ዘሎ ሰንሰለት ዝሓዘ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንዕቤት ኢትዮጵያ ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም።
ፀገም ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓኒቑ ዝፀንሐ ምዃኑ ብምልዓል፣ ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ነዞም ፀገማት ከምዝፈትሖም ገሊፆም።
ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ዓቕሚ ምሓዝ ኮንቴነር ካብ 500 ሺሕ ናብ ሓደ ሚልዮን ከም ዘዕብዮ ሓቢሮም።
ዕብየት ኢትዮጵያ ዝተመላአ ኽኸውን ኩሎም መኣዝናት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምርኻብ ከምዝግባእ እዮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።
2018 ዓ.ም ናይ ብዙሕ ዓወት፣ ውፅኢታትን ፍፃመታትን ዘመን ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ ኣብ 2019 ዓ.ም ዝበለፀ ንፍፅመሉ ዓመት ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝመሓየሽ ብምሕባር፤ ካብ ዝጀመርናዮ ዕብየትን ልምዓትን ደው ከብሉና ዝፍትኑ ሓይልታት ምስ ዘይክእልዎ ጎቦ እናተላተሙ ምህላዎም ብተግባር ክነርእዮም ኢና እውን ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ንምግባር ዘኽእሉ ተግባራት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ደቅና ዝሓሸት ሃገር ንኽርከቡ ዘሎና ሓደራ ብሙሉእ እምነትን ብቕዓትን ክንፍፅም ኢና እውን ኢሎም።