ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሞጆ ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቖም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሞጆ ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቖም
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሞጆ ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ኣብ ሞጆ ተረኺብና ንኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንዕዉትነት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ልዑል እጃም ዘበርክትን ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀን ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቕና ኢሎም።
እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት ክሳብ 1 ሚልዮን በዓል 20 ጫም ኮንቴነራት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎም ጣብያታትን ዘበናዊ መኽዝናትን ዘለውዎ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብቱን ደረቕ ፅዕነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምእሻግ ዘኽእል፣ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምቑጣብ ብተወሳኺ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ቅልጣፈ ኣሰራርሓ እቲ ማእኸል ንፈለማ እዋን ዝተተኸለ ኣብ ልዕሊ ክሬን ባቡር ካብ መስመር ባቡር ዝግበር ዝውውር ኮንቴነር ብልዑል ቅልጣፈ ዘሳልጥ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ሙሉእ ኣሰራርሕኡ ብዘበናዊ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ንተገልገልቲ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ዘቀላጥፍ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ማእኸል ኣካል ካብ መስመር ኢትዮ-ጂቡቲ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዘተኣሳስር ኮሪደር ‘ደሱ' ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገርና ኣብ ዓለም ለኸ ብርኪ ሎጂስቲክስ ዘለዋ ስፍራ ዘመሓይሽን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዕቤት ዘሰጋግርን ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም።