ቅልጡፍ ለውጢ ከተማነት ኣዲስ ኣበባ ዘደንቕ እዩ - ጀርመናዊ ዲፕሎማት

ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየዱ ዘለው ኩሉ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ እታ መዲና ብልዑል ፍጥነት ክትልወጥ ከምዝገበሩዋ ኣብ ኢትዮጵያ ተጠባባቂ ኣምባሳደር ጀርመን ፈርዲናንድ ቮን ዌይሄ ገሊፆም።

ዘመናውያን ኮሪደራት፣ መሊሶም ዝሓወዩ ወሰናት ሩባ ቦታታት መዘናገዒ ህዝቢ እናሰፍሑ ዝኸዱ ዘለው ሓምለዋይ ቦታታትን ነታ ከተማ ሓድሽ መልክዕ ከምዝሃብዋ እቶም ኣምባሳደር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብታ ከተማ ዝተርእዩ ለውጥታት፣ ብፍላይ ድማ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ምስፍሕፋሕ ክፍቲ ቦታታት መዘናገዒ ህዝቢን ሓዊሱ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ብቐረባ ከምዝተኸታተልዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ፃንሒቶም ዝርኣዩ ጭቡጣት ለውጥታት ከምዝተረኣዩ እውን ገሊፆም።

ፍጥነት እቲ ለውጢ፣ ቆራፅነትን ጥንኻረን ስራሕን ኣስደናቒ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።


 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩን ሰፊሕ ትልሚ ፕላን ከተማ መሰረት ዝገበሩን ምዃኖም ምግንዛብ ከምዝክኣል ኣመላኺቶም።

ኹሎም ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምንቅስቓሳት ልምዓትንን ሓደ ምስቲ ሓደ ተጠዓዒሞምን ተዋዲዶምን ዝካየዱ ምዃኖም እውን ዘድንቕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኸባቢ ሩባ ቀበና፣ ካብ ጥቓ ኤምባሲ ጀርመን ጀሚሩ ክሳብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዘለው ቦታታት ብምጥቃስ፣ እዞም ቦታታት ምስሊ እታ ከተማ ናይ ምልዋጥ መግለፂታት ምዃኖም ጠቒሶም።

እቶም ለውጥታት ኣብ ህንፀትን መሰረተ ልምዓትን ጥራሕ ዝተወሰኑ ከምዘይኮኑ ኣልዒሎም፡፡

ሐዚ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ድሕሪ ቀትሪ ግዜኦም ካብ ገዛ ወፃኢ ብምሕላፍ፣ ኣብ ወሰናት ሩባ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባርን ህፃናት እውን ኣብቶም ሓደሽቲ መንገዲታት ብስክሌት እናተጠቐሙ ምኳኖም ዓቢዪ ለውጢ እዩ ኢሎም።


 

እቶም ኣምባሳደር ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ምስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር   ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ልምዓት ኣግራብን ሓለዋ ከባቢን ምስ ኣጀንዳታት ልምዓት  ሃገር ዝተዋደዱ ምዃኖም እውን ኣድኒቖም።

ብውልቀኦም ብኣማኢት ዝቖፀሩ ፈልስታት ከምዝተኸሉ እውን ኣዘኻኺሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም