ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ ቨርስ) ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ 50 ሚልዮን ምብፅሑ 'ውን ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ መለለዪ መንነት ፋይዳሓደ ሰብ ሓደ እዩብዝብል መሪሕ ስራሕቲ ምምዝጋብን ምርግጋፃን ዲጂታል መንነት እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡  

እዙይ 'ውን ገበን ንምክልኻል፣ ኣገልግሎታት ብዲጂታል ብምትእስሳር ንምቅልጣፍን ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘተኣማምን ምትእስሳር ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ፋይዳ ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ክሳብ ሐዚ 150 ትካላት መንግስቲ፣ ውልቀ፣ ስታርታፕን ካልኦትን ብፋይዳ ምትእስሳር ምግባሮም ገሊፆም።

ብኣገልግሎት ሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ 200 ሚልዮን ንላዕሊ መንነት ናይ ምርጋፅ ተግባራት ከም ዝተኻየዱ ጠቒሶም።

ኣገልግሎት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ የምፅኦ ብዘሎ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ልዑል ትኹረት ከም ዝረኸበ ኣረዲኦም።

እዙይ ድማ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ተመክሮታት ኢትዮጵያ ክቐስሙን ብምትሕብባር ንምስራሕ ካብ ድልየት ሃሊፉ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ህንፀት ዓቕምን፣ ምኽሪን ዲጂታል ስርዓት ኣብ ምህናፅን ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ ንምርካብ ድልየት ከም ዘርኣያ ገሊጾም።

ድልየት ካብ ዘርኣያ ሃገራት ምስ ዝተወሰና ስምምዕነት ተፈራሪመን ናብ ትግበራ ፕሮጀክት ፈተነ ንምስጋር ዝተዳለዋ ሃገራት ከም ዘለዋ ኣመላኺም።

በዙይ እውን ቴክኖሎጂ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብፈተነ ደረጃ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ተግባራዊ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ 'ውን ኣብ ሓህጉራዊ ኢኒሼቲቫት ትግበራ ኣርኣያነት ዘለዎ ڕۆ ክትህነፅ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም