ኢትዮጵያ ፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ) ፅባሕ ዝውሰን በቲ ሎሚ ንሰርሖ ስራሕ እዩ! ዓወትና ናይ ፅባሕ ድማ ብፃዕርና ናይ ሎሚ ይቐረጽ። ካብ ጽባሕ ትማሊ ጽቡቓት ተሞክሮታት ብምውሳድ፣ ንሎሚ ብትኽክል ብምግምጋምን ብምርዳእን፣ ራእይ ናይ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ምህናጽ፣ ጽኑዕ እምነትን መለለዪ ባህርን መንግስትና እዩ።
ፍልጠት ወለዶታትና ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር፣ ንጽባሕ ንምቕባል ምድላው፣ ካብዚ ወለዶ ዝጽበ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ ኢሉ መንግስቲ ብጽኑዕ ይኣምን። ስለዚ እዩ ዲጂታላይዜሽን ከም ኣክኣሊ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሓደ ክፍሊ ኢኮኖሚ እውን ብምውሳድ፣ ዓቢይ ትኹረት ተዋሂብዎ እየ ዝስራሕ ዘሎ።
ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ወለዶ ዕዳ ዘይኮነስ ፀጋ እያ እተውርስ። ንዝሓተቶ ጉዳይ እዋኑ ከሎ ምላሽ ክትህብ ዘይምኽኣል ግን ዕዳ ወለዶ እዩ።ስለዚ እዩ ሃገርና ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ እናመገበት እተምህሮም ዘላ፤ ስለዚ እዩ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብነጻ ስልጠና ኮዲንግ (Coding) እናሰልጠነት እተኽእሎም ዘላ፤ ስለዚ እዩ እውን ናይ መጀመርታ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎን (Artificial Intelligence) እናተመስረተት ዘላ።
ጽባሕ ብዘይ ፍልጠት ቴክኖሎጂ፣ ጽባሕ ብዘይ ሳይበር ድሕንነት፣ ጽባሕ ብዘይ ሉዓላውነት ሓበሬታ፣ ሓደጋ ህልውና ክኸውን ከምዝኽእል መንግስትና ይግንዘብ፤ ነቲ ወለዶ እውን ነዚ ንምምካት ይዳለው ኣሎ።
ንዘመናት ድሑር ኢኮኖሚያዊ ዘርፊ ተባሂሉ ዝጸንሐ ሕርሻ፣ ጽባሕ ብዘይ ቴክኖሎጂ ህልውናኡ ኣብ ሓደጋ እዩ። ንተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ እዩ።
ኣገልግሎታት መንግስቲ ብጽሬትን ብቕልጡፍን ንዜጋታት ተበጻሒ ንምግባር፣ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝመጹ ኣሰራርሓታት ኣይኮነን ንጽባሕ፣ ሎሚ እውን ዘዋፅኡ ኣይኮኑን።
ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተወዳደርትን ስራሕ ፈጠርትን መንእሰያት ንምፍራይ፣ ዲጂታላዊ ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ንኹሎም እዞም ጉዳያት ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ስለዘላ እዩ “ኢትዮጵያ ጽባሕኣ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ” እንብል።
መዓልቲ ጳጉሜን ሓምሸይቲ መዓልቲ ጽባሕ ብምባል እነብዕላ እውን፣ ዝመጽእ ዘመን ተወዳዳርነት ቴክኖሎጂ ዝሓትት፣ ኣብ ትንተና ሓበሬታ ዝተመስረተ ውሳነ ዝውሰነሉ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ብዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ዝድገፍ ዘመን ኣብ ዋዜማኡ ስለዘለና፣ ነዚ ዘመን ዝምጥን ወለዶ ንምፍራይ እንሰርሕ ምዃንና ንምግንዛብ እዩ።
ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ጽባሕ” ብዝብል ስያመ ምኽባሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ንምህናጽ ኢትዮጵያ ናይ ጽባሕን ንሉዓላውነታ ንምኽባርን ወሳኒ ምዃኑ፣ ሃገርና ድማ ናብ ምዕራፍ ስግግር ዲጂታላይዜሽን እናኣተወት ከምዘላ ንምብሳር እዩ።
5 ጳጉሜን 2018 ዓ/ም
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ
ኣዲስ ኣበባ