ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018(ኢዜኣ) ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ን5 ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ ብዝምልት ካብ ወረቐት ናብ ዲጂታል፣ ካብ ተጠቃምነት ናብ ፈጣሪነት ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ኢሎም።
ንግድን ኣገልግሎትን የቀላጥፍ፣ ሓበሬታታት ተበፃሒ ይገብር፣ ንዓውድታት እውን የማዕብል ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ጎስጓስ ኮደራት 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያ መናእሰይ ፈጠርቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምግባር ናብ 7 ሚልዮን ሽቶና እናምረሐ እንትኸውን ተበፃሕነትን ፅሬትን ዲጂታል ኣገልግሎት ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
ብሃገር ቦቆል ዓቕሚ ዝማዕበለ ናይ ሳይበር ሉኣላዊነትና ድማ ካብ ፅግዕተኛነት ዘይንቆፃፀሮም ቴክኖሎጂታት ብምልቓቕ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጠጠው እትብል ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነት ዘበስር እዩ ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም