ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና - ኢዜአ ትግርኛ
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4 /2018 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ባይታ ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ፌደራል ብምትሕብባር ፅባሕ ጳጉሜን 5 መዓልቲ 2018 ዓ.ም ዝኽበር " ናይ ፅባሕ መዓልቲ" ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ መዓልትታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ ስያመታት የኽብር ኣሎ።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር በዲጂታል ኢኮኖሚ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ተግባራት ዘርእይ መዓልቲ ፅባሕ ክኸብር እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብምቕራፅ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅ ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት ምዃና ገሊፆም።
ብዓቕሚ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝጎልበተ፣ ንዘመኑ ዝምጥን ሲቪል ሰርቪስ ብምህናፅ፣ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣገልግሎት መንግስቲ ብምሃብ እንታይ ዓይነት ፅባሕ ንህነፅ ኣብ ዝብል መሰረት ነንብር ኣለና ኢሎም።
ፅባሕ ማለት መናእሰይ ዝርከብዋ ኢትዮጵያ ማለት እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ነዚ ወለዶ ባይታ ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንምህናፅ ምዃኒ ሓቢሮም።
ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋን ሓሳብን ዝፍጠረሉ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ክንፍፅም ይግባእ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ዓመት ፈተናታት ሓሊፍና ዕዉት ሰላምን ልምዓትን ንመዝግበሉ ክኸውን ተመንዮም፡፡