ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ፣ ሳይበርን ደሕንነት ሓበሬታን ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ ምዃኑ በዓል መዚ በይነ-መንግሰታዊ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ገሊፁ።
ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ኢጋድ ሙሂየልዲን ኣልቶሃሚ ጠሃ (ዶ/ር) ንኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ብልሕን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዘኻዕበተቶ ተመክሮ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝሓሸ ትምህርቲ ዝህብ እዩ።
ኣብ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ዓውድታት ሳይበር ደሕንነት፣ ሓለዋ ዳታን ሰብ ስራሕ ብልሕን ዝተኻየዱ ተግባራት ንስግግር ፍልጠት እዚ ዞባ ልዑል ጥቕሚ ከም ዘለዎም ምርዳኦም ተዛሪቦም።
ኢጋድ ኣብዚ እዋን የዳልዎ ዘሎ ማዕቐፍ ሰብ ስራሕ ብልሒ ናይተን ኣባል ሃገራት ፖሊሲ እቲ ዓውዲ፣ ሓለዋ መረዳእታን ስነ ምግባር ኣጠቃቕማን፣ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ኣብ ልምዓትን ፍልጠትን ሓይሊ ሰብን ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡
ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ክፍተት ዓቅሚ ንምምላእን ዞባዊ ምዕባለ ንምፍጣንን ከም ኢትዮጵያ ዝሓሸ ዓቕሚ ካብ ዘለወንን ውፅኢታዊ ተግባር የካይዳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ልምድን ተመክሮን ክወስዳ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም።
ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ሰላምን ደሕንነትን ዝካየዱ ተግባርት ልምዓት ንምሕጋዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።