ኣፍሪካ ንለውጢ ኣየር ንብረት መፍትሒ ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ይግባእ — ክላቨር ጋቴቴ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታትን መፍትሒታትን ለውጢ ኣየር ንብረት ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ገሊፆም።

መበል 14 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረትን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ "ካብ ቃል ተስፋ ናብ ተግባር፤ ፍኖተ ካርታ ቤሌም-አንታልያ-ኣዲስ ኣበባ" ብዝብል መሪ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ብከላ ኣየር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ኣርባዕተ ሚኢታዊ (4%) ጥራሕ እንተኾነ እውን ዝለዓለ  ሳዕቤን እቲ ችግር ትሸከም ኣላ።

ኮይኑ ግና እዚ ሓቂ ንኣፍሪካ ታሪኽ ተጎዳእነት ጥራሕ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይብሉ ብምግላጽ፤ ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሃፍቲ ማዕድን፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋን ብምጥቃም ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ መፍትሒታት ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ገሊፆም።


 

ኣፍሪካ ከም ኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣየር ንብረት ንምትግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 277 ቢሊዮን ዶላር ዘድልያ እንተኸውን፣ ትረኽቦ ዘላ ግን ካብቲ ዘድልያ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም።

ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምስ ተበፃሕነት ሓይሊ፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተኣሳሲሮም ክሳለጡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ልዕሊ 600 ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ሕዚ እውን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ  ዘይረኸቡ ብምዃኖም ምሰፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ መሰረት ኢኮኖሚ ክኸውንግባእ ኢሎም፡።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም