ኣብ ዋና ከተማ መዓልቲ ምንስርራእ ምኽንያት ብምግባር ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዓልቲ ምንስርራእ ምኽንያት ብምግባር ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት እናተውሃበ ከም ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።
መቐበሊት ሓዱሽ ዓመት ዝኾነት መዓልትታት ጳጉሜን ብዝተፈላዩ ስያመታት እናተኸበረ እንትኸውን ሎሚ 2 ጳጉሜን እውን መዓልቲ ምንስርራእ ብዝብል እዩ ዝኽበር ዘሎ።
መርኣያ ምንስርራእ ዝኾነ ዓውዲ ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንነበርቲ እታ ከተማ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምሃብ እቲ መዓልቲ እናኽበረ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ኣብቲ ንፍርቂ መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ፣ኣውቶብሳት ከተማን ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባን ንዓማዊሎም ሰናይ ሓዱሽ ዓመት ብምምናይ እናተሳተፉ ከም ዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።
ኣብ ቦሌ ሚሊኔም ከባቢ ዝተውሃበ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዘጀመሩ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዳኛቸው ሽፈራው ከም ዝበልዎ፤ ኣብቲ ነፃ ትራንስፖርት 1 ነጥቢ 1 ሚልዮን ነበርቲ እታ ከተማ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም።
መርኣያ ምንስርራእ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኾኑ ልምዓታት ዓውዲ ትራንስፖርት እቲ ዋና ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕቤት እታ ከተማ ዝምጥን ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ብምስፍሕፋሕ እቲ ዓውዲ ምንስርራእ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም