ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 29/2018 (ኢዜኣ) ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት ከም ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምንቅስቓስ ስራሕ ንኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ዘገልገል፣ታሪኻዊ ፀጋን ዘበናዊ ዓቕምን ዘጣመረ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሎሚ ተዓዚብና ኢሎም።



ድምር ውፅኢት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ኩሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ዝሰርሕን ንኩለ መዳያዊ ብልፅግና ሃገሩ ዝተግህን መፍረያይ ሕብረተሰብ ምህናፅ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ እውን ኣብ ምፍላይ ለበዳ፣ ክትትልን ምላሽን ሕማም፣ ላብራቶሪ፣ ምርምር፣ ዲጂታላይዜሽንን ድሉውነት ስግኣት ጥዕናን ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር እናደገፈ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።
ኣብ ክልላት ማእኸል መቆፃፀርን መከላኸልን ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ምጥያሹን ሪፈራል ላብራቶሪታት ምስፍሕፍሑን እውን ዓቕሚ ድሉውነት ጥዕና እታ ሃገር እናጠናኸረ ዘሎ ወሳኒ ተግባር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ማእኸል ልህቀት ጥዕና ኣፍሪካ ንምዃን ብልዑል ትግሃት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ማእኸል ምትሕብባር ትካል ጥዕና ዓለም ብምዃን ዓለም ለኸ እጃሙ ንምጥንኻር ብርቱዕ ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ናይ ትማሊ ታሪኽ፣ ንሎሚ ብዘበናዊነት ኣዋዲዱ ናብ ፅባሕ ዝግስግስ ከምዚ ዝበለ ትካል ምድጋፍን ምጥንኻርን ንፅባሕ ዘይበሃል ተግባር እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ኢንስቲትዩት ብልፅግና ሃገር ንምቅልጣፍ ወሳኒ ዓቕሚ ስለ ዝኾነ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም