ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት ቁፅፅር ምዝርጋሕ የድሊ—ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሴ 29/2018 (ኢዜአ) ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒን ሉኣላውነት ሓበሬታን ንምርግጋፅ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት   ቁፅፅር ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (/) ገሊፆም።

ካብ ሎሚ 29 ነሐሴ 2018 . ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕን ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድን መዳረግቲ ኣካላትን ዝተሳተፉሉ፣ ስትራቴጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ እቲ ዞባ ብሓባር ንምቕራፅ ዝዓለመ ዓውደ መፅናዕቲ ምካይድ ጀሚሩ።

ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (/) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ቅልጡፍ ዕብየት ሰብ ስራሕ ኢኮኖሚ ዓለም፣ መንግስታትን ዓቕሚ ሰብ እናቐረፀ ይርከብ፡፡  


 

ሰብ ስራሕ ብልሕን ዓውዲ ዲጂታልን ዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ብምቅልጣፍ ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕብየት ወሳኒ ሓይሊ ምዃኖም ገሊፆም፡።  

ኣባል ሃገራት በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) እውን ኣማራፂታት ሰብ ስራሕ ብልሒ ብኣግባቡ ብምጥቃም ውህደት ኢኮኖሚ ከፋጥኑ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።

ነዙይ እውን ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒን ሉኣላውነት ሓበሬታን ንምርግጋፅ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት ቁፅፅር ምዝርጋሕ  ከም ዘድሊ ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም