ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ጭቡጥ ውፅኢታት ተረኺቦም እዮም-ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍሬህይወት ታምሩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2018 (ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ጭቡጥ ውፅኢታት ከም ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን።
ኢትዮ ቴሌኮም ኣካል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ክልተ ዓመት”ቀፃሊ ኣድማስ” ዝኾነ ትልሚ ካልኣይ ዓመቱ በጀት ዓመት 2019 ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዘመዝገቦ ዓወት ብምአባይ ኣብ 2019 ዓ/ም እውን ቁፅሪ ዓማዊሉ ንምዐባይ፣ኣታዊኡ ንምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ንምስፍሕፋሕን ዝተፈላለዩ ሽቶታት ከም ዝተለመ ኣፍሊጠን።
ኣብ በጀት ዓመት 2019 መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብዝበለፀ ንምምዕባል ተበፃሕነት ኔትዎርክ 5 ጂን 4ጂን ንምዕባይ ከም ዝተለመ ሓቢረን።



እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ እውን ተዛሪበን።
ኣብ በጀት ዓመት 2019 ንዲጂታል ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብዝበለፀ ዘንቀሳቕሱ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣገልግሎታትን ተግባራዊ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ 295 ቢልዮን ብር ንምርካብ ከም ዝተተለመ ኣረዲአን።
እቶም ዘቐመም ሽቶታትን ትልምታትን ንምዕዋት ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ምሕዝነት ከም ዘጠናኽርን ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕን ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም