ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት እናርኣዩ እዮም - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ኣሶሳ፤ ነሓሰ 28/2018 (ኢዜኣ)- ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ  ሪፎርም ውፅኢት የርእዩ ምህላዎም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ "ፅሬቱን ፍትሓውነቱን ዝተረጋገፀ ትምህርቲ ንዝሓሸ ውፅኢት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 28 ክልላዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምዝተዛረብዎ፤ ምስፍሕፋሕ ኣብያተ ትምህርቲ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ፅሬትን ተባፅሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።

ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ መዳርግቲ ኣካላት ትምህርቲ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ተግባራት ዘተባብዕ ውፅኢት እንተምፅኡ እውን በቲ ዝድለ ብርኪ ብዘይምዃኑ ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት ገሊፆም።


 

ኣብ ዘበን ትምህርቲ 2019 ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምስ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር  ብቕዓትን ዓቕሚ ፈጠራን ተምሃሮ ንምዕባይ ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።

ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝወሰዶም ስጉምትታት ውፅኢታውያን ካብ ምዃኖም ሓሊፉ ኣብ ምገባ ተምሃሮ ዝተሓሸ ተመክሮ ከምዘርኣየ ኣልዒሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻደሊ ሃሰን ብወገኖም፤ ኣብቲ ክልል እታዎትን መሰረተ ልምዓትን ትምህርቲ ብምምላእ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ጋህዲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ።


 

ኣብቲ ክልል ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ምጥማር ተምሃሮ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ስልጠና መማሓየሺ ሞያ መምህራን ከምዝተወሃበ ጠቒሶም።

መሳርሒታት ሓገዝ ትምህርቲ ብምድላው ንውፅኢታውነት እቲ ዓውዲ ትኹረት ተወሂቡ ክስራሕ ምፅንሑ እውን ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም