ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምፅዋር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምፅዋር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።
ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ዞባ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሃና ኣበበ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣፍሪካ እዋናውን ግቡእን እዩ።
ኣፍሪካ ብምኽንያት ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ድርቂ፣ውሕጅን ካልኦት ሓደጋታትን ብተደጋጋሚ እናተኣናገደት ከም ዝኾነት ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፋይናንስን ትካላዊ ሓድነትን ምጥንኻር ከም ዝግባእ ተዛሪበን።
ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ እውን ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣካል ብሄራዊ ትልሚ ልምዓታ ከም ዝገበረት ብምሕባር፣ ኣብ መንጎ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ቴሌኮሙኒኬሽን፣ፋይናንስን ካልኦት ትካላትን ጠንካራ ምትሕብባር ምፍራጥ ይግባእ ኢለን።
ዝኾነት ሃገር በይና እቲ ስትራቴጂ ቅነሳ ሓደጋ ውፅኢታዊ ምግባር ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፣ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ኩለመዳያዊ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ብሓብር ንምስራሕ ቆራፅ ከም ዝኾነት ገሊፀን።