መዓልትታት ጳጉሜን ዓወታትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ብዘርኢ መልክዑ ክኽበሩ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልትታት ጳጉሜን ዓወታትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ብዘርኢ መልክዑ ክኽበሩ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) መዓልትታት ጳጉሜን ዓወታትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ብዘርኢ መልክዑ ከም ዝኽበሩ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣፍሊጦም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምድላውን ስያመን 5 መዓልትታት ወርሒ ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
መዓልትታት ጳጉሜን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታትን ፀብለልታዊ ውፅኢታትን ዝዝከርሎምን እቲ ህዝቢ ንክፈልጦም ዝግበረሎምን ከም ዝኾኑ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።
ዝተሓላለኹ ፈተናታት ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ምጥንኻርን ንዓወት ዘብቅዑ ተሞኩሮታት ዝድህሰሰሉን ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
5 መዓልትታት ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ብበርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላውን ስያመን ንምኽባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከም ዝተሳለጡ ኣረዲኦም።
በዚ መሰረት ድማ 1 ጳጉሜን (መዓልቲ ፀብለልታ)፣2 ጳጉሜን(መዓልቲ ምንስርራእ)፣3 ጳጉሜን (መዓልቲ ፅንዓት)፣4 ጳጉሜን (መዓልቲ ሕብር) ከምኡ እውን 5 ጳጉሜን(መዓልቲ ፅባሕ) ብዝብሉ ስያመታት ከም ዝኽበሩ ገሊፆም።
እቶም መዓልትታ ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩሎም ክልላት፣ምምሕዳር ከተማታት፣መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታትን ኣባላት ማሕበረሰብን ከም ዝኽበሩ ሓቢሮም።
ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምንስርራእን ፀብለልታን ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ዓመት ናይ ብልፅግና፣ምትሕብባርን ምትእስሳርን ዓመት ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።