ሃይማኖታዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ድልድላት ሃገራዊ ምርድዳእን እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሃይማኖታዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ድልድላት ሃገራዊ ምርድዳእን እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ሃይማኖታዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ድልድላት ሃገራዊ ምርድዳእን ከም ዝኾኑ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።
መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝደመቐትን ብዝሃ እምነታት፣ ባህልታትን ቋንቋታትን ተኸኣኢሎም ዝነብሩላን ሃገር እያ።
ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘበናት ዝተሳገረ ምትእስሳርን ዕሙቕ መስተጋብርን እውን ሉኣላዊ ዶብ ሃገር ብምሕላው መስዋእቲ ምኽፋል እውን ዝሓውስ ምልክት ሓድነት ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ሃይማኖታት ኢትዮጵያ መግለፅታት ሰላም፣ ሓድነት፣ምኽክርን መንፈሳዊ ኣስተምህሮን ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣቦታት እምነት እውን እዚ ፀጋ ብምቕፃል ድልድል ሃገራዊ ምርድዳእ ክሃንፁ ይግባእ ኢሎም።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ እውን ኩሎም ሃይማኖታት ሕድ ሕዳዊ መስተጋብሮም ብምጥንኻር ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ እጃሙ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ብሄራዊ ረብሓን ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምሕላው፣ ሕብረ ብሄራዊነት ከም ገይፅን ፍሉይ ፀጋን ዝቖፅር ወለዶ ምፍራይ ዘኽእል መሰረት እናተነፀፈ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ምድኻም ኢትዮጵያ ዝደልዩ ሓይልታት ጥፍኣት እውን እኩይ ተግባሮም ብኣግባቡ ብምርዳእ ኩሉ ዜጋ ንሰላምን ሓድነትን ሃገር እጃሙ ክዋፃእ ከም ዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።