ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ እዩ - ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ ምዃኑ ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ነበር ኣባል ጉጅለ ሰልስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ገሊፆም።

ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣካቢ ጉጅለ ኣማኻሪ ዶብ ተሻገርቲ ማያትን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ (GERD) ከምኡውን ዋና ዳይሬክቴር ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቴክኒክ ምብራቕ ናይልን እዮም፡፡ 

እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ጉባታትን ዓሚቝን ሸለቆታት ኢትዮጵያ ማይ ንምሓዝ ኣዝዮም ምቹዋት ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብዞም ዝሑላት ኣከባቢታት ማይ ምውህላሉ ንሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዝጠቕም ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።

እዚ ኵነታት ኣብ ግብፂ ምስ ዝርከብን ኣብ በረኻ ከባቢ ብምህናፁ ዝለዓለ ትነት ማይ ምስ ዘጋጥሞ ግድብ ኣስዋን ብምንፅፃር ኣቕሪቦምዎ።

ካብ ግድብ ኣስዋን ኣብ ዓመት ጥራሕ ካብ 15 ክሳብ 16 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝተንን ከምዝባኽንን ኣልዒሎም።

ማይ ኣብ ዓሚቝ ፀቢብ ሸለቆታትን ምችው ኣየር ዘለዎን ከባቢታት ኢትዮጵያ ምውህላሉ መጠን ትነት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም።

ዋና መውህለሊ ማይ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብሙቐት ክባኸን ዝኽእል ብዝሒ ማይ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ፣ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዝልቀቕ መጠን ማይ ዘተኣማምንን ዝተረጋገዐን ከምዝኸውን ይገብሮ ምህላዉ ገሊጾም፡።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2005 ኣብ ግብፂ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መሃንዲሳት እታ ሃገር 'ዌስተርን ስፒልዌይ' ዝበሃል መስመር ብምኽፋት ብቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ዝልካዕ ማይ ናብ ኣንፈት ሸለቆ ቱሽካ ከምዝቐይርዎ ኣዘኻኺሮም።

እዙይ ድማ ዓቕሚ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ምውስኹ ኣብቲ ተፋሰስ ዘሎ ልዕሊ መጠን ዝኾነ ብኽነት ማይ ንምቕናስን ናይ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ መሰረተ ልምዓታት ንሓደጋ ውሑጅ ከይቃልዑ ንምክላኽልን ከምዘኽእል ብኣብነት ኣረዲኦም።

ብሓፈሻ ኣብ ጎቦታትን ሾለቖታትን ኢትዮጵያ ዝእከብ ማይ ምውሳኹ ኣብ ግብፅን ሱዳንን በቢዓመቱ ዝባኽን ማይ ብዝለዓለ ኩነታት ንምቕናስ እውን ከም ዘኽእል ተዛሪቦም፡።

ረብሓ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ማይ ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ እውን እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ገሊፆም።

መሰረተ ልምዓታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ንፁሁን ብተመጣጣኒ ዋጋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ኢነርጂ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።

ካብዞም ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ ሩባ ኣብ ሃባራዊ ተረባሕነት ምትእምማንን ዝተመሰረተ ጠንካተራ ምትሕብባር ክፈጥር ከምዘለዎ ኣይተ ፈቅ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም