ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ ትኹረት ብምስርሑ ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ ትኹረት ብምስርሑ ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ ትኹረት ስለዝተሰርሐ ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ ከም ዝመፀ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ሎሚ መዓልቲ “ብሩህ ፅባሕ ብናይ ሎሚ ኣእምሮታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 33 ከተማ ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ከም ዘጀመራ ኣፍሊጠን።
እዚ ጉባኤ በቢ ዓመቱ እነካይዶ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ፣ተበፀሕነት ንምስፋሕ፣ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጥዕና ዘለዎን ውፅኢታውን ንምግባር፣ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሑ ጠንካራ ስራሕቲ ልምዲ እንረኽበሉ፣ዝእረሙ ፈሊኻ ብሓባር መፍትሒ እንህበሉን ብሓባር ኣንፈት እንሕዘሉን ጉባኤ እዩ ኢለን።
ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ከተማና ብፍሉይ ትኹረት ሰሪሕና ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ እዩ መፂኡ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ በዚ ድማ ኣብ ከተማና ውፅኢት ክፍሊ 12 ናብ 33 ሚኢታዊ ዓብዩ እዩ ክብላ ሓቢረን።
ይኹን እምበር ዋላ ሕዚ እውን ልዑል ውፅኢት ትፅቢት ከም ዝግበርን ብዙሕ ምስራሕ ከም ዝግባእን ኣረዲአን።