ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንህዝብን ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር እናረጋገፀ እዩ-ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንህዝብን ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር እናረጋገፀ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ ገሊፆም።
መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ኣባል ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባር ሓድነት ንምህናፅን ሰላም ንምፅናዕን ዝተባብዑ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ።
ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ምሕዝነትን ንምህናፅ ዝተጀመረ ሃገራዊ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን እቲ ጉባኤ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ጉባኤ ካብ ዝምስረት እዋን ጀሚሩ ኣባል ትካላት ሃይማኖት ፀገማት ብሓባር ብምፍታሕ ብሓድነት ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝፀሓፉ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ክኾርዑ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ሃገራዊ ምኽክር ሓዊሱ ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ንሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኣበርክቶ ብተግባር ዘመስከረ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ንዝበለፀ ውፅኢታውነት ዝመፀሉ ጉዕዞ ብምግምጋም ጥንካርኡ ከቐፅል ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ድማ ብሓባር ምስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም