ትካላት ሃይማኖት ልዕና ሞራልን ሓባራዊ ሕብረትን እቲ ሕብረተሰብ ሓሊኻ ኣብ ምፅናሕ ዘለዎም እጃም ከጠናኽሩ ኣለዎም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ትካላት ሃይማኖት ልዕልና ሞራል፣ ፀጋታት ሰላምን ሕብረትን ሓሊኻ ኣብ ምፅናሕ ዘለዎን እጃም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዘለዎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ጉባኤ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ህዝባን ሓባራዊ ድሌታትናን እንዝክረሉን እንዝትየሉን ታሪኻዊ መድረኽ እዩ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባርን ብሕብረትን ንጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ልዑል ፋይዳን መሰረትን ከም ዘለዎ ዘመስከርሉ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ተኸታተልቲ ወለዶታት ብሓሳቦም፣ ጉልበቶምን ፀሎቶምን ዝሃነፅዋ ዓባይ ሃገር ከም ዝኾነት ሓቢሮም።

ካብ ዓምድታትን ማእገራትን ኢትዮጵያ ድማ ንዘበናት ሞራልን ስብ
እናን እቲ ህዝቢ እናሃነፁ ዝፀንሑ ትካላት እምነት ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም።

 

ኣቦታት ሃይማኖት ዋና ሓለውቲ ሞራልን ስነ ምግባርን እቲ ህዝቢ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ሰገናትን መናእሰይን ብደጋዊ ሓሳባትን ባህልታትን ንከይውሰዱ ትምህርቲ ምሃብ ኣድላይ እዩ ኢሎም።

ፅንዓት ኢትዮጵያን ህዝብና ኣብ ጠንካራ መሰረት ንክህነፅ ዘለዎም ልዑል እጃም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

መድረኻት ንዘበናት ዝሃነፅናዮ ምትሕስሳብ፣ ምድግጋፍን ምክብባርን ንምፍራስ ዝፅዕሩ ከምኡ እውን ምክፍፋል ከም ዓብይ ዓወት ዝቖፅሩ ድምፅታት ዝበዝሕሉ እዋን ከም ዝኾነ ፀሪሖም.

ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር እጃም ተወከልቲ እምነት ልክዕ ከም ካልኦት ልዑል ከም ዝነበረ ምዕዛቦም እውን ሓቢሮም።

ምምኽኻር ኣብ ሓቂ፣ ይቅርታ በሃላይነትን ሓባራዊ ምርድዳእን ንክፀንዕ፣ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓሳቡ ንከካፍል ከምኡ እውን ንዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ኢትዮጵያ መሰረት ንክኾን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ከም ዝተዋፅኡ እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ትካላት እምነት ንዘላቒ ሰላም፣ ማሕበራዊ ውህደትን ሓባራዊ ዕቤትን ኢትዮጵያ ዘለዎም ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዝርዳእን ልዑል ኣፍልጦን ክብርን ከም ዝህብን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም