መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ኢትዮጵያ ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላዉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቢሮ ተወከልቲ ግሎባል ፈንድ ኣፍሪካ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ገሊፆም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ዝተኻየደ መበል 76ይ ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዓወት ተዛዚሙ።
ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪካ ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መራሕቲ ጥዕና ዝተሳተፉሉ መድረኽ፣ ኢትዮጵያ ብዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሒን ብዝተደገፈ ህንፀት ስርዓት ጥዕና ዓቕሚ ምክልኻል ሕማምን ሓኪምካ ምድሓንን ንኣፍሪካውያን ኣብነት ዝኸውን ፃዕሪ ትገብር ምህላዋ ተመላኺቱ እዩ።
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ልዕሊ 50 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ፣ ምድላው መድሓኒትን ደሓንነት ኣየር ንብረትን ውፅኢት እናመዝገበት ምዃኑ ተገሊፁ፡።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ፅኑዕን ዘላቒን ውሕስና ዘለዎ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምትሕብባር ወሳኒ እዩ።
ፍልጠት ኣፍሪካውያን፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋን እኹል ሓይሊ ሰብን ስርዓት ምሕደራ ፋይናንስ ብምዘማን ናይ ባዕሎም ጠንካራ ትካላት ጥዕና ንምፍጣር ከምዘኽእሎም ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ምስ ለውጢ ኣየር ንብረት ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ጥዕና ብምቕናስ መጠን ብሂወት ምንባር ዜጋታት ከምዘመሓይሽ ተዛሪቦም።
በዙይ እውን ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምላይ ኣሰር ኣፍሪካዊት ግንባር ቀደም ሃገር ብምዃን ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ትገብር ምህላዋ ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ስርዓት ጥዕናኦም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ንምህናፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሎዎም ምትሕብባር ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ እምበር ናይ ወሃብን ተቐባልን ጥራሕ ክፈቕዱ ከም ዘይግባእ ኣገንዚቦም፡፡