ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዝምን እናገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዝምን እናገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 20/2018 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዘምን እናገበረ እዩ ክብሉ ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ተፃዋዕነቶም ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾኑ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራልን ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ወረዳ ጊኒር ጣብያ ሸወዴ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝተፈላለዩ ተግባራት ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቶም ትካላት ኣብ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ኣብ ዝርከብ ኣስደናቒ በዓቲ ሶፍ ዑመር እውን ዑደት ኣካይዶም።
እቶም ትካላት ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መላእ ሃገር እናተኻየደ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ንምድጋፍ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ምጅማሮም እውን ሓቢሮም።
ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዘምን እናገበረ እዩ ኢሎም፡፡
ልምዲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ምዕባዪ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝካየዱ ተግባራት ዘጠናኸረ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገፀር ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ነዙይ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ ምዃኖም ገሊፆም።
ልዕልና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሉ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ህዝብን ሃገርን ብቕንዕና ምግልጋል ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።
ምስ ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ብምትሕብባር ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ወረዳ ጊኒር ጣብያ ሸወዴ ካብ 100 ሚሊዮን ብር ንላዕሊ ዝወፅኡ ዝተፈላለዩ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ምጅማሮም እውን ተዛሪቦም።
ካብቶም ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ምስ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ብዝተዋደደ መገዲ 20 ኣባይቲን ሓደ መዋእለ ህፃናትን ንምህናፅ እምነ ኹርናዕ ምንባሩ ብምግላፅ፤ ካብቶም ዝህነፁ ኣባይቲ እቶም ሓሙሽተ ብምምሕዳር ዞቦ ምብራቕ ባሌ ከምዝህነፁ ገሊፆም።
ን540 ተምሃሮ ዝኾኑ ንምህሮን ምምሃርን ዝጠቕሙ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ከምዝተገብረን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከም ዝተሳለጠ እውን ሓቢሮም፡፡
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣይድሩስ ሀሰን ብወገኖም፤ ብመርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ዜጋታት ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ እቲ ኮሚሽን እናተሳተፈ ይርከብ ኢሎም።
ኩለመደያዊ ልምዓታ ዝተረጋገፀላ ኢትዮጵያ ንወለዶ ንምርካብ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ወሰንቲ ምዃኖም እውን ወሲኾም ተዛሪቦም።
ብምዃኑ እውን ምስ ሲቪል ሰርቪስ ኮሚሽን ፌዴራል ብምትሕብባር ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ዝገብሩ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ኣብ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ምጅማሮም ገሊፆም፡።
ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ብዝተጠናኸረ መገዲ ምቕፃል ከምዘድሊ ገሊፆም።