መንግስቲ መደመር ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምቅልጣፍ ቴክኖሎጂ ከም ቁልፊ መሳርሒ ብምጥቃም ዓበይቲ ለውጥታት እናምፅአ እዩ ዝርከብ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 20/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምቅልጣፍ ቴክኖሎጂ ከም ቁልፊ መሳርሒ ብምጥቃም ዓበይቲ ለውጥታት እናምፅአ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት መሶብ ፌዴሪኢ ዮናስ ኣለማዮሁ ገሊፆም።

ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምንግልታዕ ዜጋታት ኣብ ምቕናስን ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣብ ምምዕባልን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ እዩ ዝርከብ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት መሶብ ፌዴሪኢ ዮናስ ኣለማዮሁ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምቕያርን ምምሕያሽን ዘድልዮ ዓብይ ክፍተት ስለዝኾነ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ክጣየሽ ክኢሉ እዩ።

እቶም ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ተበታቲኖም ዝርከቡ ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ሓደ ማእኸል ብምምፀእ ስሉጥን ውፅኢታውን ኣገልግሎት እናሃበ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 110 ማእኸላት ከም ዝበፅሐን ክሳብ ሕዚ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ተገልገልቲ ኣገልግሎት ከም ዝሃበን ኣረዲኦም።

ብኣካል ናብቲ ማእኸል ምምፃእ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር እውን ኣገልግሎት ሞባይን ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎትን ከም ዝጀመረ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ፌዴራል ክልተ ብብርኪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሓደ ብሓፈሻ ሰለስተ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት መሶብ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እውን ኦንላይን ኣገልግሎታትን ሞዳሊቲታት ኣፕሊኬሽንን ብምጥቃም ኣገልግሎት እናቕረቡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም