ንዕብየት ኣዲስ ኣበባ ብቕንዕናን ብታኣማንነትን ምስራሕና ክንቕፅል ኢና - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 20/2018 (ኢዜአ) ንዕብየት ኣዲስ ኣበባ ብቕንዕናን ብታኣማንነትን ምስራሕና ክንቕፅል ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ዝዘመነ መሰረተ ልምዓት፤ ዘመናዊ ኣገልግሎት ንዘመናዊት ከተማ! »ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፋኦ መልእኽቲ፤ ኣብታ ከተማ ኣርባዕተ ዘመናዊ ደው መበሊ ተሽከርከርቲ፣ ተርሚናላትን ማእኸላት ዕዳጋን (ኣብ ጎተራ፣ ቦሌ፣ የካን ቀበናን) ሎሚ መሪቐን ኣገልግሎት ከምዘጀመራ ኣመላኺተን።

እቶም መሰረተ ልምዓታት ምጭንናቕ ትራፊክ ዘቃልሉ፣ ስርዓት ትራንስፖርት ዘመሓይሹ፣ ህዝብና ካብ ምግልታዕ ማይን ፀሓይን ዝከላኸሉ፣ ብርክት ዝበሉ ዕድላት ስራሕ ዝፈጥሩ ምቹዋት፣ ፅሩያትን ንክብሪ ሰብ ዝመጥኑን ዘመናዊ ኣገልግሎት ዝህቡን ምዃኖም ገሊፀን።


 

እቶም መሰረተ ልምዓታት ብሓደ ግዜ ብርክት ዝበሉ ተሽከርከርቲ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎም ዘመናዊ ደው መበሊ ተሽከርከርቲ፣ ተርሚናላት ታክሲን ኣውቶቡስን ብኽለት ኣየር ዝከላኸሉ ቻርጅ መግበሪ ተሽከርካሪ ኤሌክትሪክሰፋሕቲ ቦታታት መዘናገዒ ህዝቢ ዱካናት ንግዲ ካፌታሪያታትን ሬስቶራንታትን ከምኡውን ቦታታት መፃወትን መዕረፊን ህፃናትን ዝተመለአሎም እዮም።

ብተወሳኺ ምቹዋት ቦታት መፀበዪ ተሰፋርቲ ቴክኖሎጂታት ምምሕዳርን መቑረፂ ቲኬትን፣ ኣሳንሰራትን ፅሩያት መሕፀቢ ቦታታትን ከምኡውን ስርዓታት ሓደጋ ምክልኻልን ፀጥታን ዝተመለኦሎም ኾይኖም ኣገልግሎት ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ንምቅልጣፍ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ ምዃኖም እተን ከንቲባ ተዛሪበን።

ቅድሚ ለውጢ ሰለስተ ሽሕ ጥራሕ ዝነበረ ዓቕሚ ሓደ ግዜ ደው መበሊ ተሽከርከርቲን ምንም ዘይነበረ ተርሚናልን ኣብዚ እዋን ፅሬትን ብቕልጣፈን ዝተሃነፁ ዘመናዊ ደው መበሊ ተሽከርከርቲን ተርሚናላትን ካብ 170 ሽሕ ንላዕሊ ምብፃሕ ከም ዝተኽኣለ ኣመላኺተን፡፡


 

ንተጠቃምነት ነበርቲ ከተማና ብጭቡጥ ቓልና ብተግባር እናፈፀምና ብቕንዕናን ብታኣማንነትን እናሰራሕና ንርከብ። ኣዲስ ኣበባ ካብዚ ንላዕሊ ይግብኣ እዩ፤ ኣብ ቐፃሊ እውን ካብ ዝሰራሕናዮ ንላዕሊ ክንተግህ ኢና ኢለን።

እተን ከንቲባ  ንዕውትነት እቶም  ሎሚ ጋህዲ ዝኾኑ ፕሮጀክታት ዝተግሁ፣ ንዘተሓባበሩን  ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ስራሕቲ  ዲዛይንን ህንፀትን ኣመራርሓታት ቢሮ ትራንስፖርት ኮንትራክተራት፣ ኣማኸርትን ኣብዚ ስራሕ ንዝተሳተፉ ኩሎም ብሓፈሻ ምስጋነአን ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም