ሃገራት ኣፍሪካ ተበፃሕነትን ዘላቕነትን ጥዕና ዘረጋግፁ ዓቕምታት ክሃንፃ ኣለወን-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራት ኣፍሪካ ተበፃሕነትን ዘላቕነትን ጥዕና ዘረጋግፁ ዓቕምታት ክሃንፃ ኣለወን-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ተበፃሕነትን ዘላቕነትን ኣገልግሎት ጥዕና ዜጋታተን ዘረጋግፁ ዓቕምታት ክሃንፃ ከም ዘለወን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
ኣብ 5 ዓምድታት ዓውዲ ጥዕና ትኹረት ብምግባር ን4 መዓልትታት ዝፀንሕ መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሉኣላዊነት ጥዕና እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ እዩ ዝሓትት።
ዘላቕነት ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባር ዓቕሚ ፋይናንስ ብምጥንኻር ዓቕምታት ምርምርን ፈጠራን ምዕባይ ከም ዝግባእ እውን ኣመላኺቶም።
ጭብጢ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣፍሪካውያን ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ኣብ ሓለዋ ፅሬት ማይን ከባብን ትኹረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
ሃገራት ኣባል እታ ኣህጉር እውን ስርዓት ጥዕና ዜጋታተን ዘመሓይሹ ውፅኢታት ፋይናንስ፣ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብባዕላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥያሽ ባህሉ ከማዕብላ ከም ዘለወን ኣገንዚቦም።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና እታ ኣህጉር ንምምሕያሽ ምስ ኣባል ሃገራት፣ መሓዙት ልምዓትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብቆራፅነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ትካል ጥዕና ዓልርምን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር ስርዓታት ጥዕና እታ ኣህጉር ብዝተዋደደ ትልሚ ንምምራሕ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።