ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና ንምምዕባል ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ሃገራት ምጥንኻር ወሳኒ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና ንምምዕባል ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

መበል 76 ኣኼባ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብብርኪ ዓለም ተለዋዋጢ ፈተናታት ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ኣብ ስርዓት ጥዕና ዜጋታት ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደሩ እዮም ።

በዚ ድማ ኣፍሪካ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ዜጋታታ ብምምዕባል ኣብ ዓለም ዝበፅሕ ተቓላዕነት ጥዕና ብባዕላዊ ዓቕሚ ምላሽ ክትህብ ከም ዘለዋ ሓቢሮም።

እዞም ፀገማት ኣፍሪካ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ሓባራዊ ድምፃ ንምጥንኻርን ኣብ ጉዳያት ጥዕናኣ ሙሉእ ዋንነት ንምሓዝን ታሪኻዊ ዕድል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ኣብ ግልፅን ደፋርን ኣንፈር መሰረት ዝግበረ፣ ዝተዋደደ ሓባራዊ ስትራቴጂ ከም ዘድልያን ብምግላፅ፤ ኣብ ጥዕና ትገብሮ ዘላ ኢንቨስትመንት ውሽጢ ሃገር ክተዕብዮ ከም ዘለዋ ኣረዲኦም።

ስርዓት ጥዕና እታ ኣህጊር ንምምዕባል እውን ስትራቴጂክ ምሕዝነት ብምጥንኻር ባዕላዊ መድሓኒትታ ድሕንነት ጥዕና፣ ክትባታትን መሳርሕታት ምርመራን ምፍራይ ትፅቢት ከም ዝግበረላ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ትካል ጥዕና ዓለምን ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪካን ተግባራዊ ምውዳድ ምጥንኻር ከም ዝግባእ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብቲ ጉባኤ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ምስ ሽቶ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ኣዋዲድካ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ጥዕና ከም ስትራቴጂካዊ ብሄራዊ ኢንቨስትመንት ከም ትርእዮ ብምሕባር፤ ንጥዕና ዝምደብ በጀት ብተኸታታሊ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ፀሪሖም።

ዘላቒ ስርዓት ጥዕና ብዘይ ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ ከም ዘይኽእል ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ፖከቲካዊ ኣረኣእያታት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ዝተሳተፍሉ ሓቛፊ ብሄራዊ ምኽክር ብምክያድ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዘሕለፈት ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ እውን ኣብ ብሄራዊ ኢንቨስትመንት፣ዞባዊ ምትሕብባርን ደገፍ ኣህጉራዊ ትካላትን እጃማ ንምውፃእ ድልውቲ ከም ዝኾነት ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም