ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ጥዕና ሕማም ብምክልኻልን ሓኪምካ ብምድሓንን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝግብ ኣላ - ሚኒስትር ዶክተር መቅደስ ዳባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ጥዕና ሕማም ብምክልኻልን ሓኪምካ ብምድሓንን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝግብ ኣላ - ሚኒስትር ዶክተር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ጥዕና ሕማም ብምክልኻልን ሓኪምካ ብምድሓንን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝግብ ምህላዋ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ኣሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክትር መቅደስ ዳባ፣ ሚኒስትራት ጥዕና ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መራሕቲ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ትካላት ጥዕና ተራኺቦም እዮም።
መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጀንዳ ጥዕና እቲ ዞባ ብምቕራፅ፣ ሓባራዊ ምትሕብባር ብምጥንኻርን ኣብታ ኣህጉር ጥዑይ፣ ውሑስን ፈተናታት ዝፃወር ሕብረተሰብ ንምህናፅን ዘኽእል እዩ።
ብመሰረት እዙይ ኢትዮጵያ ነዚ መድረኽ ምድላዋ ኣብቲ ዞባ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ስርዓት ጥዕና ንምፍጣር ዘለዋ ጠንካራ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መዳረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ስርዓት ጥዕናኣ ብምጥንኻርን ሃገራዊ ትኹረት ዝወሃቦም ጉዳዮት ጥዕና ንምዕዋት ዝመዝገበቶም ውፅኢታት ንምርኣይ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ምግባር፣ ኣፈፃፅማ ስርዓት ጥዕና ምጥንኻርን ንተላባዲ ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ብዓወት ምቁፅጻርን ሓዊሱ ዝተመዝገቡ ኣወንታዊ ውፅኢታት ዘይናዋፅ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ዘለዋ ዘላቒ ፃዕሪ ዘርኢ እዩ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበላኦ፤ ፅልዋ ለውጢ ኣየርን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳዮትን ኣብ ስርዓት ጥዕና ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድሩ ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕና ብዘላቕነት ንምምሕያሽ ብሔራዊ ስትራቴጂ ጥዕና ቐሪፃ ትሰርሕ ምህላዋ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ሙያ ሕክምና ብምብቃዕን መሳርሒታት ሕክምና ብምዘማንን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብመሰረታዊነት ምቕናስ ተኻኢሉ እዩ ኢለን።
ስርዓት ዲጂታል ጥዕና ብምዕባይ ልኡላውነት ጥዕናን ቴክኖሎጂን ንምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ይፈጣር ምህላዉ እውን ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ማቹሪቲ ሌቭል 3 ደረጃ ምብፃሓ ብምግላፅ፤ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ካብ ኢንዱስትሪ ፖሊሲ ንላዕሊ ስትራቴጂ ጥዕና እዩ ኢለን።
ቴክኖሎጂ ኣብ ስርዓት ጥዕና ዜጋታት መሰረታዊ ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ ብምልዓል፤ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ብዙሕ ተመክሮ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን።
ኣፍሪካ ናይ ፍልጠትን ክእለት ፀገም የብላን፣ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣዋዲድካ ምጥቃም ይግባእ ኢለን።
ንልኡላውነት ጥዕና ኣፍሪካ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ወሳኒ ምዃኑ ብምልዓል፣ ኢትዮጵያ ምስ ኣፍሪካውያን ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፀን።