ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ምትሕብባር ኣባል ሃገራት ምጥንኻር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ኣባል ሃገራትን ምጥንኻር ከም ዝግባእ ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ፕሮፌሰር መሐመድ ያኩብ ጃናቢ ገሊፆም።
መበል 76 ኣኼባ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም መሀመድ ያኩብ ጃናቢ፣ሚኒስትራት ጥዕና ሃገራት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት ጥዕና ተረኺቦም።



ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ፕሮፌሰር መሐመድ ያኩብ ጃናቢ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ኣኼባ ኣብ ፀገማት ጥዕና ኣፍሪካ ሓባራዊ ዘተ ብምግባር ሓባራዊ መፍትሒ ዝርከበሉ መድረኽ እዩ።
ኣብ ኣፍሪካ ብቆራፅነት መራሕቲ፣ ምድላው ትካላትን ሰብ ሞያን ጥዕና ከምኡ እውን ብምትሕብባር እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ስርዓት ጥዕና ምምሕያሽ እናተርኣየ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ህዝቢ ከም ዘለዋ ብምግላፅ፤ ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምህናፅ ጠንካራን ቀፃልነት ዘለዎምን ትካላት ጥዕና ምህናፅ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ኣፍሪካ ንዝተመዝገበ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕና ትካል ጥዕና ዓለም ዘይተቛርርፀ ደገፍ ከም ዝገበረ ብምሕባር፤ ኢንቨስትመንት ጥዕና ኣፍሪካ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምፍጣር ኣድላይ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ራኢ ኣፍሪካ ግልፂ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ማእኸል ልህቀት ጥዕና ምህናፅን ስርዓት ጥዕና ብባዕላዊ ዓቕሚ ምህናፅን ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
እታ ኣህጉር ፀገም ፍልጠትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከም ዘይብላ ብምግላፅ፤ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ተበፃሕነት ምስፋሕ ዘኽእል ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ እዩ ኢሎም።
ምዕባለ ስርዓት ጥዕና ኣመራርሓ፣ ኢንቨስትመንትን ምትሕብባርን ከም ዝሓትት ብምሕባር፤ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሪካ ዓቕማ ንክትሃንፅ ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም