ኣፍሪካውያን ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ብንቕሓት ብምስታፍ ሓባራዊ ቅዋም ክሕዙ ኣለዎም-ትካል ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣፍሪካውያን ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ብንቕሓት ብምስታፍ ሓባራዊ ቅዋም ክሕዙ ከም ዘለዎም ትካል ጥዕና ዓለም ገሊፁ።
መበል 76 ኣኼባ ኮሚቲር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም መሀመድ ያኩብ ጃናቢ፣ሚኒስትራት ጥዕና ሃገራት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት ጥዕና ተረኺቦም።



ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ኣኼባ ብዝምልከት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ለበዳታት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝውሰዱ ስጉምትታት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ ኢሎም።
ዓቕሚ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣፍሪካ እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምግላፅ፤ ሃገራ ዘለወን ምትሕብባር ከጠናኽራ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ለበዳ ማርበርግ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልትታት ጥራሕ ምቁፅፃርን ምጥፋእን ምኽኣላ ዓቕሚ ምፍፃም ኣፍሪካውያን ከም ዝመፀ መርኣያ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ኣፍሪካ ዕቑር ፍልጠትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከም ዘሎ ብምሕባር፤ ፍርያት እታዎታት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ውሽጢ ሃግር ምዕባይ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ማቹሪቲ ሌቭል 3 ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝበፅሓ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ዘለዎም ምትሕብባር ብምጥንኻር ካብ ግዳማዊ ኢድ ኣታውነት ነፃ ኮይኖም ፍርያት ውሽጢ ሃገሮም ከዕብዩ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብናይ ኣፍሪካ ዓቕሚ ብምህናፅ ቀፃልነት ዘለዎ ፍልፍል ፋይናንስ ክፈጥሩ ከም ዘለዎም እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ንቑሕ ተሳትፎ ምዃን ዘኽእሎም ምትሕብባርን ምውዳድን ክፈጥሩ ኣለዎም ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም