መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ሎሚ ክጅመር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ሎሚ ክጅመር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ክጅምር እዩ።
እቲ ኣኼባ ምስ ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓል ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ብመሰረት ኣብ ገፅ ትካል ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪካ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፤ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣጀንዳታት ጥዕና ንምዝታይን ኣህጉራዊ ንምትሕብባር ምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ።
ሚኒስትራት ጥዕና 47 ሃገራት ኣባል ዞባ ኣፍሪካ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ መራሕይ ዓለም ለኸ ጥዕና፣ መሓዙት ልምዓት፣ ለገስትን ተወከልቲ ትካል ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ልዕሊ 600 ተወከልቲ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ እዮም።
ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዞባዊ ትልምታ ጥዕና ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝግምግም እንትኸውን፤ ኣብ ሓደሽቲ ስትራቴጂታትን ሓሳባት ውሳነን ክዝትዩ እዮም።
ተወካሊ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(UNECA)ን ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ካሶሎ፤ እቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኣጀንዳ ጥዕና እቲ ዞባ ንክሕንፅፁ፣ ምሕዝነቶም ንከጠናኽሩን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ጥዕና ዘለዎ፣ ዘተኣማምንን ጠንካራን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዓብይ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ እቲ ኣኼባ ንምትእንጋድ ንዞባዊ ሕውነትን ሓባራዊ ምትሕብባርን ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ኣኼባ ክሳብ 22 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።