ግብፂ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ዘለዋ ስሱዕ ቅዋም ምስ ቅዋ። ሕብረት ኣፍሪካ ዝፃረር እዩ-ያዕቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2018(ኢዜኣ) ግብፂ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ዘለዋ ስሱዕ ቅዋም መሰረታዊ መትከል ሕብረት ኣፍሪካ ዝጠሓሰ ከም ዝኾነ ተደራዳሪ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያን ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ያዕቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር) ገለጹ።
ያዕቆብ ኣርሳኖ (ዶ/ር) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪ ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን እንትኾኑ ኣብ ዙርያ ሃፍቲ ማይ ሰፊሕ ልምዲ ምርምር ዘለዎም እዮም።
ከምኡ እውን ኣብ ሰለስቲኣዊ ድርድር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብኢትዮጵያ ተደራዳሪ ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም።
ዶክተር ያዕቆብ፤ ግብፂ ንምኽክር፣ ምትሕብባር ሓባራዊ ኣጠቓቕማ ማይን ዘይተቕድም ሃዋኺት ሃገር ከም ዝኾነት ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ግብፂ ንሩባ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ጠብታ ማይ ኣስተዋፅኦ ኣብ ዘይብላ ብሕታዊት ወናኒትን ተጠቃሚትን እቲ ሩባ ከም ዝኾነት ገይራ እተቕርቦ ቅዋም ስሕተትን ንሓባራዊ ልምዓት ማይ ዕንቅፋትን እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ሳልሳይ ወገን ንምርካብ ከም ዝተፀመደትን “ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣብ ማዕቐፍ ኣፍሪካ ምፍታሕ” ንዝብል ኣህጉራዊ ቅዋም ሕብረት ኣፍሪካ ዝጥሕስን ምስተን ሃገራት ተፋስስ ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ድሌት ከም ዘይብላ ዘርእን ኣካይዳ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሰሙን እትነዝሖ ዘላ ፕሮፖጋንዳ እውን ኣካል እዚ ስሑት ቅዋም እዩ ኢሎም።
ልዕሊ 86 ሚኢታዊ ማይ ሩባ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝፍልፍል ብምግላፅ፤ ዲፕሎማሲ ማይ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ሓባራዊ ልምዓት፣ፍትሓዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ሕቢሮም።
ህንፀት፣ ኣመላልኣ ማይን ምምሕዳርን እቲ ግድብ ብመሰረት ዓለም ለኸ ኮንቬንሽናትን ማዕቐፍ ምትሕብባር ናይልን ዝተሳለጠ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ጉድኣት ከም ዘየብፅሕ ብሰነድን ብተግባርን ዝተረጋገፀ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ጉዕዞ ልምዓት ማያ ገና ኣብ ምጅማር ከም ዝርከብ ዝገለፁ ዶክተር ያዕቆብ፤ ካብ ሕዳሰ ግድብ ብተወሳኺ እውን ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ፕሮጀክትታት ልምዓት ማይ ናይ ምስላጥ ሉኣላዊ መሰል ከም ዘለዋን ናይ ምንም ፍቓድ ከም ዘየድልያን ገሊፆም።
ይኹም እምበር ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ንምትሕብባር በራ ክችቲ ከም ዝኾነ ደጋጊማ እናገለፀት ከም ዝፀንሐት ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም