ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 501 በዓል መውሊድ ነብዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ኣብፀሐኩም!
መውሊድ ዓበይቲ ኣሕዋትና እንሓስበሉ፣ ምትሕብባርን ሓድነትን፣ ምትሕዝዛንን ምፍቕቓድን ብተግባር ንገልፀሉ እዩ። ዘለዎ ንዘይብሉ ዘካፍለሉ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝጠናኸረሉን ብሓድነት ሓቢሩ ዘሕልፍርሉን ዓብይ በዓል እዩ።
ሰናይ ተግባራት ነቢዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ከይደብዘዙ ብድምቀት፣ከይተሸራረፉ ብህያውነት ክሳብ ሎሚ ኣለዉ። እዚ በዓል ብሓባር እንትነኽብር ብዝተማልአ ፀጋ ሰናይነት፣ፍቕርን ሓድነትን፣ሰላም፣ምትሕስሳብ ከምኡ እውን ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ።
ጠጠው ንዝበልናሉ ዕላማ ምትጋህ፣ንካልኦት ዝተርፍ ሰናይ ፍረ ምሃብ፣ሃገርን ህዝብን ዝዝክርዎ ኣሰር ምዕራፍ፣ብሕብረት ምስራሕ፣ብፅንዓት ጠጠው ምባልን ብፍልጠትን ትዕግስትን ናብ ሽቶና ምግስጋስ የድሊ።
ደጊመ እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ብሰላም ኣብፀሐኩም!