ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ከም ዝበልዎ፤ ታሪኽ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) ወለዶ ንሰናይ ዕላማ ካብ ዝቐርፁ ታሪኻት እቲ ሓደ እዩ።
ዝተፀውዕሉ ዕላማ ምኽባር፣ንዝተፀውዕሉ ዕላማ ዋጋ ምሃብ፣ዝተፀውዕሉ ንካልኦት ምክፋልን ንዝተፀውዕሉ ኣኽቢርካ ምንባርን ሽሕ መፅሓፍቲ ዝወፁሎም ትምህርትታት እዮም ኢሎም።
ነቢዩ ዝተፀውዕሉ ዕላማ ብኣግባቡ ስለዝተረድኡ ኣኽቢሮም ነቢሮም እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተፀውዕሉ ንዘይረብሕን ርካሽን ነገር ከም ዘይኮነ እውን ተገንዚቦም እዮመ ክብሉ ሓቢሮም።
ዝተፀውዑ ወለዶ ንምቕራፅን ታሪኽ ንምቕያርን ከም ዝኾነ እውን ከም ዝኣመኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ቃሎም፣ስርሖምን መነባብሮኦምን ኣኽቢሮም ከም ዝነበርሉ ገሊፆም።
ንዓብይ ሃገራዊ ዕላማ ተፀዊዕና ኢና ኢልና ንኣምን እንተኾይንና እዚ ሂወት ነቢዩ ዓብይ ትምህርቲ ከም ዝኸውን ኣረዲኦም።
ዝተፀዋዕናሉ ዕላማ ኣብ ዘረባና፣ስራሕናን ሂወትናን ንግልፆ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ነቢዩ ንዝተፀውዕሉ ዕላማ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ብምሕባር፤ ካብ ቦትኦም ተሰዲዶም፣ምግብን መፅለልን ተኸሊኦም፣ካብ ቤተሶቦም ተፈልዮም እዮም ኢሎም።
ንሞት ብዘብቅዑ ፈተናታት ከም ዝሓለፉን ኵናት ከም ዝተኸፈተሎምን እውን ፀሪሖም።
ይኹን እምበር ንኹሉ ብሓይሊ ኣላህ ስዒሮም እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ክብሪ ብዘይ መከራ ስለዘይርከብ ሓቃዊ ሰብ ንዕላምኡ ከም ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) ዋጋ ከም ዝኸፍል ሓቢሮም።
ዕላምኡ ዝረኽቦ ጥቕምን ክብርን ጥራሕ ዘይኮነስ ዕላምኡ ዘኽፍሎ መስዋእቲ ንምኽፋል እውን ድሉው እዩ ዝኸውን ኢሎም።
ነቢይ መሓመድ (ሰዐወ) ካብ ኣላህ ዝበፅሖም መልእኽቲ ንባዕሎም ጥራሕ ከም ዘየትረፍዎ ብምግላፅ፤ ዝተፀውዑሉ ንካልኦት ንምክፋል ተጊሆም እዮም ክብሉ ገሊፆም።
መጀመርታ ንውሑዳት ሰባት፣ድሕሪኡ ድማ ንቐረባ ሱሓባታት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለም እቲ መልእኽቲ ኣብፂሖምዎ እዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ንሶም ዝዘርእዎ ዘርኢ እናፈረየን እናዐንበበን ከም ዝተጉዓዘ ብምሕባር፤ ንዕላማና ንሕና ጥራሕ ምፍላጥናን ምእማንናን ጥቕሚ ከም ዘይብሉን ካልኦት ክፈልጡን ክኣምኑን ልክዕ ከም ነቢይ ተጊህና ክንደክምን ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም።

መውሊድ ነቢይ እንትነኽብር ካብ ህይወቶም እናተመሃርና፤ ዝተመሃርናዮ ድማ ንህንፀት ሃገረ-መንግስትና እናተጠቐምናሉ ንክኸውን እውን ሓደራ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም