ነበር ጋዜጠኛ ኢዜኣ መስፍን ኣራጌ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ነበር ጋዜጠኛን መሳርሕትን ኢዜኣ መስፍን ኣራጌ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

 ብ1965 ዓ.ም ዝተወለደ ጋዜጠኛ መስፍን ኣራጌ ካብ ሕዳር 2008 ክሳብ ለካቲት 2011 ዓ.ም  ኣብ ኢዜኣ ጨንፈር ደሴ  ብጋዜጠኝነትን ብኣተሓባባሪነትን ኣገልጊሉ እዩ።
ጋዜጠኛ መስፍን ኣራጌ ካብ ኢዜኣ ብተወሳኺ ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ጨንፈር ደሴን  ኮርፖሬሽን ሚዲያ ኣማራን  (ኣሚኮ) ብጋዜጠኝነት ሰሪሑ እየ።

 ደራስን ገጣምን መስፍን ካብ ጋዜጠኝነት ሞይኡ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ  ስነ-ፅሑፍ ንንባብ ኣብቂዑ እዩ።

መስፍን በዓል ሓዳርን  ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ መስፍን ኣራጌ  ሎሚ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደሴ ደብረ መድሃኒት መድኃኔኣለም ቤተክርስቲያን ክፍፀም እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም