ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ሪከርድ ፍርቂ ማራቶን ዓለም ሰቢሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ሪከርድ ፍርቂ ማራቶን ዓለም ሰቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሴ 17/ 2018 (ኢዜኣ) ፦ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሪከርድ ፍርቂ ማራቶን ዓለም ሰቢሩ።
ኣብ ጉያ ታሪኽ እናፅሓፈ ዝርከብ ኣትሌት ዮሚፍ ነቲ ርሕቐት ብ56 ደቂቕን 51 ሰከንድን ብምውዳእ ሓዱሽ ሪከርድ ዓለም ኣመዝጊቡ ኣሎ።
በዙይ ድማ ኣትሌት ዮሚፍ ዩጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ቀዲሙ ኣመዝጊብዎ ዝነበረ 57 ደቂቕን 20 ሴኮንድን ሪከርድ ዓለም ብ29 ሴኮንዶች ብምምሕያሽ ናይቲ ርሕቐት ናይ ዓለም ፈጣን ኣትሌት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።