ኢትዮጵያ ፍርያት ሙዝ ብፅሬት ብምፍራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተዋዳዳሪት ንምዃን እናሰርሐት ትርከብ -ሚኒስቴር ሕርሻ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ፍርያት ሙዝ ብፅሬት ብምፍራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተዋዳዳሪት ንምዃን እናሰርሐት ትርከብ -ሚኒስቴር ሕርሻ
ኣዲስ ኣበባ /ነሓሰ/14/2018/ኢዜኣ/ኢትዮጵያ ፍርያት ሙዝ ብፅሬት ብምፍራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተዋዳዳሪት ኮይና ንክትወፅእ ስትራተጂያዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ምዃና ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
«ብፍርያት ሙዝ ናብ ዝለዓለ ዓወት» ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገር ለኻዊ ጉባኤ ሙዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶ/ር ሶፊያ ካሳ ከምዝገለፀኦ፤ ሃገርና ሙዝ ብስፍሓት ናይ ምፍራይ ልዑል ዓቕሚ እኳ እንተሃለዋ፣ ንዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ዘድሊ ፅርየትን ደረጃን ኣማሊእኻ ምቕራብ ግና ዛጊድ ቀንዲ ፀገም ኮይኑ ፀኒሑ 'ዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅርየት ዝተደረኸ ፍርያት ሙዝ ንዕዳጋ ዓለም ምቕራብ ዘኽእል ሓዱሽ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ዕምባባ፣ ኣሕምልትን ፍረምረን ድልዱል ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ዕዳጋ ምፍጣር ከምዝኸኣለት ዘዘኻኸራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ተሞክሮታት ብምውሳድ ልምዓት ሙዝ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ከምዘድሊ ገሊፀን።
ብተወሳኺ፣ ኣፍራዪ ማሕበረሰብ እኹል ኣቕርቦት ፋይናንስ እንተዘይረኺቡ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ምርግጋፅ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ትካላት ፋይናንስ ንሓፈሻዊ ዘርፊ ሕርሻን ንኣፍረይቲ ሙዝን ኣድላዪ ደገፍ ክገብሩ ኣተሓሳሲበን።
ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣፍረይትን ሰደድትን ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ኣይተ ቴዎድሮስ ዘውዴ ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ብመንፅር ኣብ ልምዓት ሙዝ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ክረኣይ እንተሎ ክሳብ ሕዚ እኹል ረብሓ ከምዘይረኸበት ሓቢሮም።
ምህርቲን ፅርየትን ሙዝ ንምምሕያሽ ስትራቴጂካዊ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፤ እዚ ምግባር እንተተኻኢሉ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ብርኪ ተወዳዳሪት ኣፍራይትን ሰዳዲትን ሙዝ ምግባር ከምዝከኣል ኣረዲኦም።