ኢትዮጵያ ፍርያታ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ተወዳዳሪ ብምግባር ናይ ወፃኢ ንግዲ ዓቕማ እናዕበየት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ፍርያታ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ተወዳዳሪ ብምግባር ናይ ወፃኢ ንግዲ ዓቕማ እናዕበየት እያ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ፍርያታ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ተወዳዳሪ ብምግባር ናይ ወፃኢ ንግዲ ዓቕማ እናዕበየት ምዃና ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዘላቕን ኩለመደያውን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ቻይናን ናብ ዝለኣለ ብርኪ ዘሰጋግርን ኣካል ስራሕቲ ፕሮሞሽን ዝኾነ መድረኽ "Export to China" ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቻይና ቼን ሃይ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ሃገራት ፣ መምፃእትን ለኣኽትን ተዓዲሞም እዮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ መምፃእቲ ቻይና ፅርየቶም ዘሃለዉ ዝሓለው ፍርያት ሕርሻን ኢንዱስትሪን ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ክገዝኡ ዘኽእል ስራሕቲ ፕሮሞሽን ተኻይዱ እዩ።
በዙይ እውን ልዕሊ 340 ሚሊዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎም 33 ኮንትራት ዕዳጋ ንግዲ ንንግዲ (B2B) ኣብ ዓውድታት ቡን፣ ሰሊጥ፣ ኣኩሪ ኣተር፣ ጨርቃጨርቕን ማዕድንን ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ተፈራሪሞም እዮም።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዕላማ እቲ ስምምዕነት ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ ፕሮሞሽን ኣብ ቻይና ንምግባር ዘኽእል ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቲ ሚኒስቴር ምስ ኤምባሲ ቻይና ሰፋሕቲ ዘተታት እናገበረ ምፅንሑ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት ድሕሪ ብዙሓት ስራሕቲ ዝተረኽበ ውፅኢት ምዃኑ እውን ገሊፆም።
33 ዝፅግዑ ስምምዕነታት ምፍራሞም ብምግላፅ፤ እዚኦም እውን 340 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከረክብ ዝኽእሉ ምዃኖም ኣመላኺቶም።
እቲ ስምምዕነት ናብቲ ዓብዪ ዕዳጋ ቻይና ንምእታው ብመንግስቲ ቻይና ዝተቐረፀ ኢኒሼቲቭ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ኣብ ፍርያታት ቡን፣ ዘይቲ እኽሊ፣ ጥራጥረ፣ ቖርበት፣ ማዕድንን ጨርቃጨርቕን ኣብ ስምምዕነት ምብፃሑ ተዛሪቦም።
እቲ ስምምዕነት ካብ ቓል ብዝሓለፈ ተግባራዊ ውፅኢት ዝተረኸበሉ ዓወት ምዃኑ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ 2019 በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ 13 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ዶላር ንምርካብ ምትላሙ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት እዚ ንምዕዋት ዘኽእል ምዃኑ ኣመላኺቶም።