ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ግድባት ናይ ምህናፅ ዓቕምን ድሉውነትን ኣለዎም - ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ግድባት ናይ ምህናፅ ዓቕምን ድሉውነትን ኣለዎም - ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ግድባት ናይ ምህናፅ ዓቕምን ድሉውነትን ከም ዘለዎም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህንፀት ፕሮጀክት ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህንፀት ፕሮጀክት ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ብዋናነት ኣብ ህንፀት ግድብ ህዝባዊ ተሳትፎ ብምተህብባር ህንፀቱ ብዓወት ክዛዘም ዝገብር ትካል እዩ፡፡
ናይቲ ቤት ፅሕፈት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ፤ ዓብዪ ህዳሴ ግድብ ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ንዘመናት ዝፀንሐ ዝተዛበዐ ኣረዳድኣ ዝቐየረ ምዃኑ ንኢዜኣ ገሊፆም።
እቲ ግድብ ንማንም ሃገር ከምዘይጎድእ፤ ብኣንፃሩ ነቲ ዞባ ብኢነርጂ ዘተኣሳስር ምዃኑ ብተግባር ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።
እንተኾነ ግን ግብፂ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምክሓድ ሕዚ’ውን ዝፀንሐ ብዓውዓውታ ናይ ምድንጋር ተግባራ ብሰፊሑ እናሰርሐትሉ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኣባይ ሃገራት እቲ ተፋሰስ ተብሓባር ዝጥቀምሉ ሃፍቲ እምበር ውልቃዊ ንብረት ግብፂ ኣይኮነን ዝበሉ ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፤ ካብዚ ኣንፃር ወፍሪ ምድንጋር ግብፂ ደው ክብል ይግባእ ኢሎም፡፡
ዋና ዕላማኢትዮጵያ ብምትሕብብር ምዕባይ ምዃኑ’ውን ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያውያን ብምትሕብብር እንታይ ምዕዋት ከምዝኽእሉ ኣብ ህንፀት ዓብዪ ህዳሴ ግድብ ከምዘርኣዩ ብምልዓል፤ ኣብ ዝቕፅል’ውን ብዙሕ ግድባት ናይ ምህናፅ ዓቕምን ድሉውነትን ኣለዎም ኢሎም።
ኣብ እዋን ህንፀት ዓብዪ ህዳሴ ግድብ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል መዳይ ብዙሕ ጠቓሚ ልምዲ ከምዝተረኽበ’ውን ተዛሪቦም።
እዚ ልምዲ’ዚ ኣብ ዝቕፅል ንዝካየዱ ተመሳሰልቲ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ዓብዪ እታዎት ምዃኑ ኣብራህሪሆም።