መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያን ካልኦት ሓይልታትን ዝፈጠርዎ ጥምረት ዘላቕነት ዘይብሉ፣ ኣብ ፍርሕን ስግኣት ሓደጋ ህልውናን ዝተመርኮሰ እዩ -ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረ መስቀል - ኢዜአ ትግርኛ
መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያን ካልኦት ሓይልታትን ዝፈጠርዎ ጥምረት ዘላቕነት ዘይብሉ፣ ኣብ ፍርሕን ስግኣት ሓደጋ ህልውናን ዝተመርኮሰ እዩ -ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረ መስቀል
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ /12/2018 (ኢዜኣ) መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያን ካልኦት ሓይልታትን ዝፈጠርዎ ጥምረት ዘላቕነት ዘይብሉ፣ ኣብ ፍርሓትን ስግኣት ሓደጋ ህልውናን ተመርኲሱ ዝተመስረተ ዕላማ ዘይብሉ ናይ ድኹማት ሓይልታት ምትእኽኻብ እዩ ክብሉ -ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረ መስቀል ገሊፆም።
ፅምዶ ኢትዮጵያ ማእኸል ዕግርግር ንምግባር ብናይ ወፃኢ ሓይልታት ዝተወጠነ ፕሮጀክት ምዃኑ ዝገለፁ ጀነራል ዮውሃንስ፤ ብፈፃምነት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ውዲት ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብ ፅምዶ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ሓቢሮም ዘስርሖዎም ዘይሓከምዎ ቁስሎም ይበዝሕ ዝበሉ ጀነራል ዮውሃንስ፤ እቶም ተጣመርቲ ግዚያዊ ረብሻ ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ምንም ዓይነት ዕላማ ከዐውቱ ከም ዘይኽእሉ ኣረዲኦም፡፡
ሻዕቢያ ፀረ-ሰብን ፀረ ኩሉ ፍጥረትን ዝኾነ ሓይሊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ትግራይ ምስ ህግደፍን ጥምረት ምፍጣር ማለት ልክዕ በጊዕን ዝብእን ኣብ ሓደ ደምበ ብሓደ ከም ምሕዳር ካልእ ትርጉም ኣይብሉን ።
ህወሓት ካብ ህግደፍ ብዝተኾረጀ ናይ ጥፍኣት ሞዴል ብምጥቃም ንመናእሰይ ትግራይ ብሓይሊ እናገፈፈ ንጥፍኣት የቃልዖም ከም ዘሎ እውን ኣመላኺቶም፡፡
ሓቀኛ ወታደራዊ መራሕቲ ማለት ጠበንጃ ዝመርሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ፖለቲከኛ፣ ዲፕሎማት፣ ሰላምን ድርድርን ዘቐድም፣ ሂወትን ንብረትን ዘድሕን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ትግራይ ዘለው መራሕቲ ግን ወለዶ ካብ ምውዳእ ወፃኢ ሰላም ከም ዘይደልዩን ጠበንጃ ካብ ምምራሕ ወፃኢ ካልእ ከምዘይፈልጡን ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ኩናት ዝፅየፍን ብልምዓት ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእልን ጠንካራ ህዝቢ ምዃኑ ብምብርህራህ፤ ኩናት መፍትሒ ከምዘይኮነን መናእሰይ ካብ ኣዴታቶም እናተመንጠሉ ናብ ኩናት ምእታው ደው ክብል ከም ዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ይኹን ሻዕቢያ ብህዝቢ ዝተፈንፈኑን ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ውድቀቶም ዝርከቡን ጉጅለታት ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክሳብ ሐዚ ዝመፅዎ ናይ ጥፍኣት መገዲ ይኣክል ብምባል ንሰላም ከቐድሙ ከምዘለዎም ኣታሓሳሲቦም ።
ኣብዚ ሃገር ካብ ሕጋዊ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ዕጥቂ ንቑልቁል ኣፉ ክድፋእ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃና ፌዴራል መንግስቲ ነቲ ካብ ጥፍኣት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድሓን ሕጋውን ታሪኻውን ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።