ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዘይምርድድኣት ብምኽክር ብምፍታሕ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ዓብዪ ዕድል እዩ፦ ተመኻኸርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዘይምርድድኣት ብምኽክር ብምፍታሕ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ዓብዪ ዕድል እዩ፦ ተመኻኸርቲ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 12/2018 (ኢዜኣ)፦ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዘይምርድድኣት ብምኽክር ብምፍታሕ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ተመኻኸርቲ ገሊፆም።
ተሳተፍቲ ካብ 10 ሰባት ጀሚሩ ብ50፣ 250ን 500ን ተሳተፍቲ ዝተኻየዱ ብርክታት ምኽክር ብምቕፃል ናብ 4 ሽሕ ተሳተፍቲ ዝበፅሐ ከይዲ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ሓሳቦም ብናፅነት ንኸቕርቡ ዕድል ከም ዝፈጠረ እውን ገሊፆም።
ካብቶም ተመኻኸርቲ ሓንቲ ዝኾና ኣለምፀሐይ ኣሰፋ፤ ከይዲ እቲ ምኽክር ካብ ታሕቲ ብዝተወደበ መልክዑ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ብርክታት ተሳትፎ ብምሕልፍ እናተኻየደ ይርከብ ኢለን።
እቲ ምኽክር ሓቛፋይን ኣሳታፋይን እዩ ዝበላ እተን ተመኻኻሪት፤ ኣብቲ ምኽክር ሕድሕድ ተሳታፊ ሓሳቡ ብናፅነት ከም ዘንሸራሸረ ተዛሪበን።
ብፍላይ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ "ውሳነ ተወሲኑ እዩ"፣ “ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ፅልዋ ኣሎ" ብዝብል ዝዝርግሑ ሓበሬታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ምዃኖም ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ምንም ዓይነት ዝቐረበ ምኽሪ ሓሳብ ከምዘየለ ተዛሪበን።
ካልኦት ተመኻኻሪ ቹንኬድ ዴቪድ ብወገኖም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ምኽክር ዜጋታት ሓሳቦም ብናፅነት ንኸቕርቡ ዕድል ከም ዝተወሃቦም ኣመላኺቶም።
ዝተልዓሉ ሓሳባት ንሓባራዊ ምርድዳእን ዝበልፀገት ሃገር ንወለዶ ንምርካብ ወሰንቲ ምዃኖም ተዛሪቦም ።
ሃገራዊ ምኽክር ዘይምርድድኣት ብምኽክር ንምፍታሕ ዘኽእል ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ካልእ ተመኻኻሪ ኣደም ሙሓመድ እዮም።
ዝተፈላለዩ ፀገማት ብጎንጺ ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፈተነታት ንኢትዮጵያ ከም ዘይጠቐሙ ብምግላፅ፤ ምኽክር ግን ንዝቕፅል ወለዶ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዕድል ከም ዝህብ ኣረዲኦም፡።
እቲ ምኽክር ዝተፈላለዩ ድልየታት ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጡ ንምሕቛፍ ዝኽኣለ መድረኽ ምዃኑ ኣመላኺቶም።