ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘለዎም ብሕታዊ ኣማራፂ ከይረፈደ ኢዶም ንመንግስቲ ፌዴራል ምሃብ እዩ-ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘለዎም ብሕታዊ ኣማራፂ ከይረፈደ ኢዶም ንመንግስቲ ፌዴራል ምሃብ እዩ ክብሉ መስራቲ ነበር ህወሓት ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዋ ፈተናታት ብዓወት ናይ ምውፃእ ልምዲ ዘለዋ ጠንካራ ሃገር ከም ዝኾነት ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብተለኣኣኽነት ግዳማዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝገበሮም ፈተነታት ሙሉእ ብሙሉ ክዕወቱ ኣይከኣሉን ኢሎም።
ሕዚ እውን እንተኾነ እቲ ዘይሕጋዊ ይ ኣካል ጥፍኣት ብምዃን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ፈፂሙ ከም ዘይዕወትን ኣብ ዝኾነ ነገር ከም ዘየብፅሖን ኣረዲኦም።
ሻዕብያ ዘውድቖ ዝሰኣነ ዝደረቐ ዕንፀይቲ ማለት እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፤ ንመንእሰይ ኤርትራ ወዲኡ መንእሰይ ትግራይ እውን ንእኩይ ዕላምኡ መጥቀሚ ንምግባር እናሰርሐ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስዚ ዝደረቐ ሓይሊ ተጣቢቑ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ መወዳእትኡ ንክልቲኦም ዘጥፍእ ከም ዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ስለ ዝኾነ ድማ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ዘለዎም ብሕታዊ ኣማራፂ ቅድሚ ሕዚ ዝኽተልዎ ዝነበሩ መንገዲ ጥፍኣት ብምግዳፍ ኢዶም ንመንግስቲ ፌዴራል ምሃብ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ፌዴራል እውን ብተደጋጋሚ ኢዱ ንሰላም ከም ዝዘርገሐ ብምሕባር፤ ዕጡቓት ነዚ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ሰላማዊ ሂወት እናተመለሱ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት እውን ካብ መንግሥቲ ዝቐረበሎም ዕድል ሰላም ንክጥቀምሉ ኣተሓሳሲቦም።
መንግሥቲ ፌዴራል እውን ኣመራርሓ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣማራፂ ሰላም እንትኽተሉ ከምቲ ንካልኦት ዕጡቓት ዝገብረሎም ኣቀባብላ ንክቕበሎም እጃምና ክንዋፃእ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም