ዘይሻራውነት፣ ሓቛፋይነትን ኣሳታፋይነትን ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብዝምልከት ካብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለፂ

ብኣዋጅ ቑፅሪ 1265/2014 ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም፣ ምርድዳእን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ንኽሰፍን ዘለዎ ልዑል ሃገራዊ ፋይዳ ብምግንዛብ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ እዩ።

15 ሓምለ 2018 ዓ.ም ብልዑል ድምቀት ብዕሊ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ፤ እቲ ኮሚሽን ነፃን ገለልተኛን ዀይኑ ብዘሰናደኦ ኣሰራርሓን ፕላንን መሰረት ብፅቡቕ ኩነታት ይካየድ ኣሎ።

ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ጥሉቓትን ዝተሓላለኹን ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፍልልያት ብምኽክርን ብሰላማዊ መንገድን ንምፍታሕ ዝተኸፈተ ታሪኻዊ ዕድል እዩ። እቲ ከይዲ ንዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ሃገርና ዘለዎ ፋይዳ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ኩሎም ወገናት ብበዓልቤትነት ክሕብሕብዎ ይግባእ።

እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ብሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ነቲ ከይዲ ብነፃነት፣ ብዘይሻራውነት ፣ ብሕቛፍነትን ብኣሳታፊነትን ንምምምራሕ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ።

እቲ ከይዲ ምኽክር ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ፣ ኣካል መንግስቲ ወይ ድማ ናይ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ጕጅለ ኣጀንዳ ንምፈፃም ዝውዕል መድረኽ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ዝተፈላለዩ ድልየታትን ተቓውሞታትን ብማዕረ ዝቐርቡሉን ብምኽክር ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝሰራሓሉን ሃገራዊ መድረኽ እዩ።

ኣብቲ ከይዲ ዘጋጠሙ ተግዳሮታት እውን ነይሮም እዮም። በቢእዋኑ በቲ ኮሚሽን ይኹን ብተመኻኸርቲ ወገናት ዝተረኣዩ ጕድለታትን ዝተፈጠሩ ቕሬታታትን ብኣግባቡ ንምፍታሕን ምላሽ ንምሃብን ብዝተገብረ ፃዕሪ እውን ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ።

ካብዚ ኣንፃር ንጥፈታትን ከይድታትን እቲ ኮሚሽን ብዝምልከት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣብ ቐረባ እዋን ዝሃቦ መግለፂ ኣመልኪትና ዝስዕብ መብርሂ ንምሃብ ኣገዳሲ ዀይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

በዙይ መሰረት እቲ ከይዲ ሕቛፍን ኣሳታፊን ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ኣብን እቲ ኮሚሽን ግቡእ ምርመራን ምፅራይን ድሕሪ ምግባሩ፣ መደምደመታ እቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኮሚሽን ከምዘይቕበሎ ክንገልፅ  ንፎቱ።

ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ህዝቢ፣ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣካላት መንግስቲ ፌደራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማታትን፣ ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን፣ ነበር ዕጡቓት ሓይልታት፣ ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ካልኦት ብፅሒት ዘለዎም ኣካላትን ተወኪሎም ዝተፈላለዩ ድምፅታት ኣብቲ ከይዲ እናተሳተፉን እናተሰምዑን ይርከቡ።

ኣብን እውን ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ብንቕሓት እናተሳተፉ ካብ ዘለው ፖለቲካዊ ፓርቲታት እቲ ሓደ እዩ።

እቲ ኮሚሽን ናይ ዝኾነ ተመኻኻሪ ኣቤቱታን ቕሬታን ብቐሊሉ ዝሕልፎ ጉዳይ ኣይኮነን። ንኣብን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝቐርቡ ቕሬታታት ብመሰረት ስርዓት ምፍታሕ ቕሬታ ምላሽ እናሃበ ይርከብ። ነቲ ከይዲ ምኽክር ንምምሕያሽ ዝቐርቡ ሃነፅቲ ኣስተዋፅኦታትን ቕሬታታትን ብኣግባቡ ብምርኣይ ነቲ ከይዲ ምኽክር ጥዕና ዘለዎን ውፅኢታዊን ንምግባር ክሳብ ዝሓገዙ ብእታዎት ንምውሳድ ኮሚሽን ድሉው እዩ።

ስለዝኾነ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ በዚ ኣጋጣሚ ንኣብንን ንካልኦት ብፅሒት ዘለዎም ኣካላትን ኣብቲ ዝተረፈ ከይዲ ምኽክር ብንቕሓት ክሳተፉን ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ክተሓባበሩን ብኽብሪ ፃውዒት የቕርብ።

ሃገራዊ ምክክር ናይ ሓደ ወገን ዓወት ወይ ናይ ካልእ ወገን ስዕረት ኣይኮነን። ኢትዮጵያ እትሰግረሎም ናይ ሓባር መፍትሒታት ንምድላይ ዝሕግዝ፣ ንኹሉ ሰዓራይ ዝገብር ከይዲ እዩ። እቲ ኮሚሽኑ'ውን ድምፂ ኩሎም ዜጋታትን ተመኻከርትን ብማዕርነት ንምስማዕን ነቲ ከይዲ ብናፅነትን ብዘየርሻራውነትን ንምምራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ደጊሙ የረጋግፅ።

ኣብ መወዳእታ ኮሚሽኑ ንኹሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ንዕውትነት እቲ ምኽክር ቀፃልነት ዘለዎ ኣወንታዊ ኣበርክቶኦም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣጥቢቑ ይላቦ።

ኢትዮጵያ ትመኻኸር ኣላ!
ሃገራዊ ምኽክር፤ ንሃገራዊ ምርድዳእ!
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ
11
ነሓሰ2018 .
ኣዲስ ኣበባ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም