ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብትፈጥሮ ዘላ ሰናይ ፅልዋ ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብትፈጥሮ ዘላ ሰናይ ፅልዋ ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብትፈጥሮ ዘላ ሰናይ ፅልዋ ተሰማዕነታ እናዓበየ ምምፃኡ ኣብ ዋና ዳይሬክቶሬት ርክብ ወፃእን ወታደራዊ ምትሕብባርን ምክልኻል ዳይሬክተር ስልጠና ሌተናል ኮሎኔል ምናሴ ሃይሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ተራ እናተጫወተት ከምዝዀነት ድማ ልኡኽ ምክልኻል ኣሜሪካ ገሊፁ።
መበገሲኡ ካብ ሮድ ኣይላንድ ዝገበረ ጉጅለ ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ማእኸል ምኽባር ሰላም ምክልኻል ኢትዮጵያ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።
እቲ ስልጠና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ውትድርና በሓባር ንምስራሕ ዝገበራኦ ስምምዕነት መበገሲ ብምግባር ዝተደለወ እንትኸውን፤ ኣብ እዋን ወታደራዊ ተልእኾታት ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ወታደራዊ ሕግታትን ዘተኮረ እዩ።
ኣብ ዋና ዳይሬክቶሬት ርክብ ወፃእን ወታደራዊ ምትሕብባርን ምክልኻል ዳይሬክተር ስልጠና ሌተናል ኮሎኔል ምናሴ ሃይሉ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብትፈጥሮ ዘላ ሰናይ ፅልዋ ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ።
ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንምፍታሕ ብዘይ ኢትዮጵያ ምዕዋት ከምዘይክኣል ብምርድአን ንሓባራዊ ተጠቃምነት ምስ ኢትዮጵያ እናሰራሓ ይርከባ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ተልእኾታት ምኽባር ሰላም ኣብ ትወፅኦም ተልእኾታት ብፍላይ ኣብ ኣወጋግዳ ፈንጂን ኣብ እዋን ወታደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ዙሪያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ሓዱሽ ፍልጠት ዝፈጥር ስልጠና ምዃኑ ተዛሪቦም።
ስልጠና ምሃብ ጥራሕ ዘይዀነስ ኣበና ዘሎ ዝተውህለለ ልምዲ እውን ክወስዱ እዮም ኢሎም።
መተሓባበሪ እቲ ልኡኽ ስልጠና ሌተናል ኮሎኔል ዛከሪ ማካርተር ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ንሰላምን ምርጋዕን ሶማልያ ግንባር ቀደም ተራ እናተጫወተት ከምትርከብ ኣመላኺቶም።
ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ እናሰራሕት ከምዝዀነት ብምዝኽካር እቲ ስልጠና ወታደራዊ ንጥፈታት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝሕግዝ እዩ ምባሎም ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንኢዜኣ ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።