ኣብ ሞንጎ ምኽሪ ሓሳባት ተቓርኖን ድግግምን ከይህሉ ናይ ምጥዕዓም ስራሕ እናተዛዘመ እዩ - ኮሚሽን ሃገራዊ የምክክር - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሞንጎ ምኽሪ ሓሳባት ተቓርኖን ድግግምን ከይህሉ ናይ ምጥዕዓም ስራሕ እናተዛዘመ እዩ - ኮሚሽን ሃገራዊ የምክክር
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝተሳተፉ ሸሞንተ ጕጅለታት ዘዳለውዎም ሰነዳት ምኽሪ ሓሳባት ናይ ምጥዕዓም ስራሕ ክስራሕ ከምዝፀንሐን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘምን ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ ገሊፀን።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ጀሚሩ ካብ ሕድሕድ ጉጅለ ዝተመረፁ 15 ተወከልቲ ወይ ድማ ብሓፈሻ ኣስታት 120 ተሳተፍቲ ዝተወሃቦም ወሳኒ ሃገራዊ ሓላፍነት ብቆራፅነት ክወፅኡ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺረን።
እዚ ዝለዓለ ፃዕሪ ኣብ ሞንጎ ናይቶም ሸሞንተ ጕጅለታት ምኽሪ ሓሳባት ምንም ዓይነት ምድግጋምን ተቓርኖን ሓሳብ ከይህሉ ምግባርን ኩሎም ምክሪ ሓሳባት ብሓደ መልክዕን ብዝተናበበን ኣቀራርባን ንምድላው ዝዓለመ ምዃኑ ኣልዒለን።
ብተወሳኺ እቲ ከይዲ እቶም ተወከልቲ ኣብ ናይ ካልኦት ጕጅለታት ውሳነታት እኹል ግንዛበ ክረኽቡን ንሓድሕዶም ክመኻከሩን ከምዘኽእሎም ገሊፀን።
እቲ ናይ ምጥዕዓም ስራሕ ምስተዛዘመ እቲ እተደለወ ሰነድ ተመሊሱ ነቶም ሸሞንተ ጕጅለታት ዝቐርብ ይኸውን እውን ኢለን።
በዙይ መሰረት እውን ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣብቶም ዘይተሳተፈሎም ዝተረፉ ሸውዓተ ጕጅለታት ስራሕ ተወሳኺ እታዎት ዝህብ እንትኸውን፣ ዝተወሰኹ እታዎታት ተወሲኾምሉ እቲ ናይ መወዳእታ ታሪኻዊ ሰነድ ከምዝዳሎ ተዛሪበን።