ኣብ ኣፍሪካ መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይ ባንክታት ዘርኢ ኣብ ምጥንኻርን ንፍርያት መዳበሪያን ትኹረት ክወሃብ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይ ንሃገር ቦቆል ዓሌታት ሓለዋ ዝኾኑ ባንክታት ዘርኢ ኣብ ምጥንኻርን ኣብ ዕቤት ፍርያት ማዳበሪያን ብትኹረት ምስራሕ ከም ዝግባእ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ሓለዋ ከባብን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ገሊፆም።
ኣብ ግምገማ ኣፈፃፅማ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ሃገራት ኣባል በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ካብ 2026 ክሳብ 2035 ተግባራዊ ኣብ ዝኸውን ማዕቐፍ ድንጋገ ካምፓላ ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኽክር ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ካብ ሎሚ 11 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ምኽክር፤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ክልተ ዓመት መርሃ ግብሪ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ (CAADP)ን ዞባዊ ኣፈፃፅማ ኢጋድን ክግምገም እዩ።
ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ሓለዋ ከባብን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፤ ኣፍሪካ 60 ሚኢታዊ ዘይተሓረሰ ልሙዕ መሬት እናሃለዋ ፍርያት ምግቢ ካብ ወፃኢ ንምእታው በቢ ዓመቱ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከም ተውፅእ ተዛሪቦም።



ዘበነ ግምገማ ክልተ ዓመት ማላቦ ከም ዘብቀዐ ብምግላፅ፤ ቀፃሊ ትኹረት ውፅኢታዊ ትግበራ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ኣፍሪካ ብኣጀንዳ ካምፓላ ኣቢላ ክሳብ 2035 ፍርያት ግብርና 45 ሚኢታዊ፣ኣብ ውሽጢ ኣህጉር ዝግበር ንግዲ ብሰለስተ ዕፅፊ ንምዕባይ፣ድሕሪ ምእካብ ፍርያት ዝባኽን ፍርያት ብ50 ሚኢታዊ ንምቕናስን ኢንቨስትመነት 100 ቢልዮን ዶላር ንምእካብን ከም ዝተተለመ ሓቢሮም።
እዞም ሽቶታት ንምዕዋት ጥዕና ሓመድን ሃገር ቦቆል ዓሌታትን ዝሕልዉ ባንክታት ዘርኢ ምጥንኻርን ኣፍሪካ ዘለዋ ሃፍቲ ፎስፌትን ፖታሽን ብምጥቃም መዳበሪያ ብባዕላ ንምፍራይ ብትኹረት ክስራሕ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ዓወት ካምፓላ ዝልካዕኣብ ልዕሊ ሂወት ዜጋታት እታ ኣህጉር ብዘምፅኦ ለውጢ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም