ሌተናል ጄነራል ጥጋቡ ይልማ ዋና ኣዛዚ ጠቕላይ መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዀይኖም ተሸይሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ሌተናል ጄነራል ጥጋቡ ይልማ ዋና ኣዛዚ ጠቕላይ መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዀይኖም ተሸይሞም
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ንሌተናል ጄነራል ጥጋቡ ይልማ ዋና ኣዛዚ ጠቕላይ መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ገይሮም ሸይሞም ።
ብካሊእ ወገን ዋና ኣዛዚ ጠቕላይ መምርሒ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዀይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኮሚሽነር ጄነራል ዘላለም መንግስቴ (ዶ/ር) ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዀይኖም ከምዝተሾሙ ሓበሬታ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ የመላኽት።